ሓንቲ ካብተን ዓቃባውያን ሃገራት ምዃና ዝንገረላ ሃገረ በኒን፡ ምስዳድ ጥንሲ ሕጋዊ ንምግባር ኣኽኢላ ኣላ። በዚ ድማ እታ ሃገር ኣብ መንጎ’ተን ምንጻል ጥንሲ ዘፍቅዳ ውሑዳት ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና ኣላ።
ቅድሚሓሙሽተ ዓመታት ፍረንቺነ ነብሰ-ጾር’ያ ነይራ። ተማሃሪት’ውን ስለ ዝነበረት ብዛዕባ’ቲ ጥንሲ ንስድራቤታ ክትነግር ኣይደፈረትን።
ስማን መንነታ ክንዕቅበላ ስለ ዝሓተት፡ እዚ ዝጠቐስናዮ ስም ሓቀኛ ኣይኰነን። ፍረንቺነ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበረቶ፡ “ገና ተማሃሪት ኮለጅ እንከለኹ፡ ምጥናሰይ ክፍለጥ እንተ ተኻኢሉ፡ ትምህርቲ ናይ ምቍራጽ ዕድል ጥራይ’ዩ ነይሩኒ” ትብል።
ስለዚ ከኣ ብሕቡእን ዘይውሑስን መገዲ ክትንጽሎ ፈቲና። እቲ መስርሕ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝነበረ፡ ክሳብ ኣብ ሆስፒታል እትዕቆብ ኰይና።
ጾታዊ መጥቃዕታት’ውን እናዓበየ ከም ምምጻኡ፡ ብሕቡእ ዝግበረ ምስዳድ ጥንሲ እናወሰኸ ክኸይድ ከም ዝጸንሐ ክኢላ መወለዳን ሆስፒታል ኣፕልሃውስ ዶክተር ስይሪንከ ናንድቦው ይሕብር።
"ንሰለስተ ጉዳያት ዘይሕጋዊ ምንጻል ይከታተል ኣለኹ። ሓንቲ ካብኣተን ብህይወት የላን። እተን ክልተ ደቂ 17ን 18ን መንእሰያት’የን። ብህይወት ወጺአን ኣለዋ፡ ማህጸነን ግን ተኣልዩ’ዩ”
ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ማሕበራዊ ጉዳያት በኒን፡ ዓመታዊ ኣስታት 200 ደቀንስትዮ ብምትሕልላኽን ዘይውሕስን ምንጻል ጥንሲ ይሞታ።
ንመንግስቲ በኒን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ንምግባር ክሰርሕ ካብ ዘገደዶ እምበኣር መጠን ሞት’ዩ።
መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን በኒን ግን እቲ ጸዲቑ ዘሎ ሕጊ፡ ኣንጻር ህይወት ዝሓለፈ ሕጊ ገይሮም’ዮም ዝርእዩዎ።
ቅድሚ ሕጂ ንስቱር ምንጻል ጥንሲ ፈቲነን ካብ ሞት ዝወጻ ኣደታት ግን ኣብ ምልክት ሕቶ’ውን ክኣቱ ከም ዘይብሉ ይዛረባ።
ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዘሎ ልዑል ናይ ኣረዳድእ ፍልልይ ንምጽባብ እምበኣር፡ መንግስቲ በኒን ኣብ ምሉእ’ታ ሃገር ንኣድላትነትን ብልጫን እቲ ጸዲቑ ዘሎ ሕጊ ኣመልኪቱ ጎስጓስ ክገብር መደብ ሒዙ ኣሎ።