ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃይቲ: ነዳዲ ዝጸዓነት መኪና ብዘጋጠማ ሓደጋ 62 ሰባት ሞይቶም


ሃይቲያዊያን ነዳዲ ዝፀዓነት መኪና ኣብ ከተማ ካፕ ሃይቲየን ተባሪዓ ህይወቶም ንዝስኣኑ ግዳያት ንሰለስተ መዓልታት ብሓዘን ይዝክሩዎም ኣለው።በዓል ስልጣን ናይታ ከተማ ፒዮረት ደጋውል ኦግስትን እቲ መራሕ መኪና ሞተር ብሽክለታ ንዝሓዘ ሰብ ከይወቅዕ ኢሉ መንገዱ ብምስሓቱ ነቲ ናይ ጽዕነት መኪና ክቆፃፀራ ብዘይምኽኣሉ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ይሕብሩ። ሰባት ድማ ካብታ መኪና ይፈስስ ዝነበረ ነዳዲ ንምቕዳሕ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን እታ መኪና ተባሪዓ 60 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ድማ ቆሲሎም ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር'ታ ሃገር ኤሪየል ሄንሪ ትማሊ ሰሉስ ንግዳያት ናብ ሆስፒታል ብምኻድ በፂሖምዎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG