ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃዋይ፡ ከሉወያ ዝተባህለ እምባ ብዝተፍኦ እሳተ ጎመራ 26 አባይቲ ምዕናው ተገሊጹ

ሃዋይ፡ ከሉወያ ዝተባህለ እምባ ብዝተፍኦ እሳተ ጎመራ 26 አባይቲ ምዕናው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:28 0:00

ሃዋይ፡ ከሉወያ ዝተባህለ እምባ ብዝተፍኦ እሳተ ጎመራ 26 አባይቲ ምዕናው ተገሊጹ

ኣብ ሃዋይ ዝርከብ ከሉወያ ዝተባህለ እምባ ብዝተፍኦ እሳተ ጎመራ 26 አባይቲ ምዕናውን ነበርቲ’ቲ ከባቢ ካብ አባይቶም ምዝንባሎምን ተገሊጹ።

እቲ እምባ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ዝነብሩ ኣስታት 1,700 ሰባት ነቲ ቦታ ለቒቆም ክወጹ ዝተገደዱ ክኮኑ ከለው ገለ ካብቶም ሰባት ናብ ኣባይቶም ብምምላስ ዘድልዮም ነገር ክወስዱ እንተኸአሉ መዓስ ናብ ኣባይቶም ክምለሱ ከምዝኽእሉ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

እሳተ ጎመራ እምባ ከሉወያ ዝተፍኦ ላቫ ኣስታት 36,000 ስኳር ሜትር ስፍሓት ዘለዎ መሬት ሰፊኑ ከምዘሎ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ እምባ ካብ 1983 ዓ.ም ጀሚሩ እሳተ ጎመራ ክተፍእ ዝጸንሓ ምጽንሑ ሰብሞያ ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG