ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃዋሳ፡ደቡብ ሲዳማ ክልል ይኹን ንዝብል ሕቶ ምላሽ ይወሃበና ዝብሉ ወገናት ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም


ከተማ ሃዋሳ
ከተማ ሃዋሳ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ሲዳማ ክልል ይኹን ዝብል ሕቶና ምላሽ ኣይተውሃቦን፤ህዝበ ውሳነ ዝግበረሉ ዕለት እውን ኣይተገለፀን ብምባል ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ዘጋጠሞም ዕንቅፋት ኮነ ምፍርራሕ ዘይምንባሩን እዚ እውን ፍረ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ይርአ ዘሎ ለውጢ እዩ ዝበለ ካብ ኣተሓባበርቲ ሰልፊ መንእሰይ ታሪኩ ለማ፣እቲ ለውጢ ነባሪ ክኸውን ግን ንዘበናት ዝፀንሐ ሕቶ ህዝቢ ሲዳማ መልሲ ምስ ዝረክብ እዩ ኢሉ’ሎ።

እቲ ብባህላዊ ስነ ስርዓት ዝተፀንበለ ሰላማዊ ሰልፊ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፍፀም ምምሕዳር እቲ ከባቢ ሓላፍነት ወሲዱ ብዘይገለ ፀገም ምክያዱ ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ሃዋሳ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG