ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃብታም ሃገራት ዓለም ክታበት ቫይረስኮሮና ንድኻ ሃገራት ንምብጻሕ ቃል ኣትየን


ምዕቡላት ሃገራት ዓለምን ኩባንያታት መድሓኒትን ክታበት ቫይረስኮሮና ንድኻ ሃገራት ንምሃብ ሎሚ ዓርቢ መፅብዓ ክኣትው ምዃኖም ተፈሊጡ።

እዚ ዝግለፅ ዘሎ ኣብ ዓለም ብቁጠባ ዝማዕበላ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ሎሚ ዓርቢ ብኢንተርኔት ወይ ቨርችዋል ተራኺቦም ብዛዕባ ምምካት ዓለምለኸ ለበዳን ዳግመ ህንፀት ቁጠባ ዓለምን ቅድሚ ምዝርራቦም እዩ።ውድብ ጥዕና ዓለም ዘይምዕሩይ ዕድላት ክታበት ነቲ ለበዳ ጥራሕ እዩ ከናውሖ ክብል ኣጠቂቑ ኣሎ።

ኣብ ኣኼባ ጉጅለ ሸውዓተ ንፈለማ ግዜ ይሳተፉ ዘለው ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድሕሪ እቲ ኣኼባ ናብ ሚቺጋን ብምኻድ ንኣፍረይቲ ፋብሪካ ክታበት ፋይዘር ብምዕዛብ ምስ ሰራሕተኛታት ክራኸቡ እዮም።

ዝወሓደ ቀረብ ክታበት ኮቪድ 19 ኣብ ዘለዋ ክፍለ ዓለም ኣፍሪቃ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 100,000 ሰባት ተመዝጊቡ ኣሎ።

ብመሰረተ ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዓለም ልዕሊ 110 ሚሊዮን ሰባት ብኮቪድ 19 ምትሓዞም ተመዝጊቡ ኣሎ። ኣሜሪካ ልዕሊ 27 ሚሊዮን: ህንዲ 11 ሚሊዮን: ብራዚል ድማ 10 ሚሊዮን ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተሰሪዐን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG