ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃለዋቶም አባላት ስድራቤቶም ዘይፈልጡ ኢትዮጵያዊያን ሕጂ’ውን ዕረፍቲ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ


ሃለዋቶም አባላት ስድራቤቶም ዘይፈልጡ ኢትዮጵያዊያን ሕጂ’ውን ዕረፍቲ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:35 0:00

ሃለዋቶም አባላት ስድራቤቶም ዘይፈልጢ ኢትዮጵያዊያን ሕጂ’ውን ዕረፍቲ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ

ኢትዮጵያ ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ዓመተ 2018 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት ምፍትሓ ይዝከር።ይኹን ደአ እምበር ቅድሚ 24 ዓመታት ካብ ጎደናታት ዝተወስዱ ሰለስተ ኣሕዋትን ወዲ ሓወቦ ሃና ተሰማ ግን ሕጂ’ውን ደሃዮም ኣይተረኽበን።

ስለዝኾነ ድማ እየን ሃናን ሓፍታን ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ንቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ድጋፍ ንምሃብ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ “ኣሕዋትና አብይ ኣለው?” ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ ዝወጻ፡ ሃለዋት ኣሕዋተን ንምፍላጥ ካብ ዘለወን ክቱር ድልየት ድማ እየን ድሕሪ’ቲ ኣብቲ ሰልፊ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ቦምብ’ውን ኣብቲ ቦታ ምጽንሓን ይሕብራ።

“ ብህይወት ንነብር የለናን ስለዚ ንምንታይ ንሕባእ?’ ዝበለት ሃና በዚ ድማ ንቀዳማይ ሚንስትር አብይ ኣሕመድ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ንምብዳህ ዝወሰነትሉ ምክንያት ምዃኑ ተረድእ።

ይኹን ደአ እምበር ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓደ ግብረ መልሲ ከምዘይረኸበት ኣይሓብኣትን።

ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ ንደሓር ብዙሕ ለውጢ ኣታትዮም’ዮም። ገለ ካብኡ ምፍታሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ አባላት ተቓወምቲ ውድባትን ሓይልታት ጸጥታ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እሱራት ስቅያት ምፍጻሞም ብወግዒ ምእማንን ይርከብዎም።

እዚ ግን ንሃናን ካልኦት ከምኣ ሃለዋት አባላት ቤተሰቦምን ዘይፈለጡ ኢትዮጵያዊያን ዕረፍቲ ኣይሃበን።

“ስድራቤትና ፋሕ ፋሕ ኢሉ’ዩ? ንምንታይ ኢና ግን ንሳቐይ?” ክትብል ሃና ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ትገልጽ።

ሓዋ ንሃና ምንሊክ ተሰማ ኣብ እዋን ማእሰርቲ ወዲ 19 ዓመት ዝነበረ ኽኸውን ከሎ አባል ተቓዋሚ ውድብ ናይ መላእ ኣምሓራ ምንቅስቃስ ምንባሩ ትሕብር።

ኣብ 1994 ዓ.ም ኣብ ዝተካየደ ኣኼባ’ቲ ፓርቲ መደረ ድሕሪ ምስምዑ ሲቪል ክዳውንቲ ዝተኸደኑ አባላት ጸጥታ ንምንሊክን ወዲ ሓወብኡን ከምዝወሰድዎም፡ ሽዑ ምሸት ምእሳር ኣሕዋቶም ካብ ጎረባብቲ ዝሰምዑ ክልተ መናቱ ኣሕዋት ሃና ደሃይ ኣሕዋቶም ንምፍላጥ ናብ ከተማ ወጺኦም። እንተኾነ ንሶም’ውን ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዞም ናብ ቤቶም ኣይተመልሱን።

ካብታ መዓልቲ ንደሓር ደሃይ እዞም ኣርባዕተ አባላት’ዚ ስድራ ኣይተረኽበን።

ሃና ኣብ ሓደ እዋን ምስ ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ተራኺባ ዝርዝር ኩነታት ኣሕዋታ ድሕሪ ምርድኣ” መንግስትና ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣይፍጽምን” ዝብል መልሲ ከምዝተወሃባ ትገልጽ።

ኣብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ተመራመሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ኣቶ ፍሰሃ ተኽለ አባላት ተቓወምቲ ውድባት አበይ ከምዘለው ከምዘይፍለጥ ምግባር ሓደ ካብ ፍሉይ ስትራቴጂ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኢህኣዲግ ከምዝነበረ ይገልጹ።

ብርሃኑ እጅጉ ሲቪል ክዳውንቲ ብዝተኸድኑ አባላት ጸጥታ ኣብ 1994 እዩ ተወሲዱ። ኣዋርሕ ድሕሪኡ ሃለዋት ሓው ዝሓተተ ገበየሁ እጅጉ ሓው አሎ ኣብዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኸደ ዝረኸቦ ሰብ ግን ሓው ከምዘይኾነ ይገልጽ።

ንሱ “ ሃለዋቶም አቦታቶም፡ አዴታቶም፡ ኣሕዋቶም፡ ፈተውቶምን አባላት ስድራቤቶም ዘይፈልጡ ብዙሓት ሰባት ኣለው። እዞም ሰባት ሃለዋቶም አባላት ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ክፈልጡ ይግባእ” ይብል።

ነዚ ብዝምልከት ኣቶ ፈሰሃ ተኽለ ቁጽሪ’ቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ብርግጽ ንምፍላጥ ከምዘጸገም የረድእ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ከይንቀሳቀሱ ተኸልኪሎም ዝነበሩ ከም ኦነግ ዝአመሰሉ ውድባት ቃልሶም ብሰላማዊ መንገዲ ንምክያድ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣትዮም ኣለው።

“መንግስቲ ብዛዕባ ይቕረ ምባል ይዛረብ ኣሎ ግን ሓቂ ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ” ይብል ኣቶ ፍሰሃ ተኽለ ተመራማሪ ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል።

ካልእ ኣብ 1992 ብሓይልታት ጸጥታ ምስ ተወስደ ሓለዋቱ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈልጠ በቀለ ዳውኖ ሄብኖ’ዩ። ወዱ ኤድዎ ደሃይ ኣብኡ ንምርኻብ ብተደጋጋሚ ካብ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ እንተመላለሰ እኳ ደሃይ ወላዲኡ ክረኽብ ኣይከአለን።

“ ኣብዚ ሕጂ እዋን ስድራይ ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን እዮም።”

ስለዚ ይብል ንሱ እዚ ኩነታት ዝቕየር እቲ ሓቂ ምስ ዝፍለጥ ጥራይ ምዃኑ ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG