ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሁማን ራይትስ ዎች ጎንጺ ትግራይ ንናይ ኦሮምያ ዓብሊልዎ'ዩ ይብል


ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ይወርድ ዘሎ "ዘየቋርፅ ተመላላሲ መጥቓዕቲ" ንከይርኣይ ግጭት ትግራይ ከዊሉዎ ክብል ኣፍሊጡ።

ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደብሩ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተዋጋእቲ ብሰንኪ ዘካይዶ ወታሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈፀሙ ዝበሎም ከበድቲ መግሃስትታት ምስናዱ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌዴራልን ዕጡቓት ትግራይን ኣብ ሕዳር 2020 መጠነ ሰፊሕ ኵናት ምስተወልዐ ዓለምለኸ ጠመተ ኣብኡ ብምድሃቡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝረአ ህውከት ብዘይመፍትሒ ንዓመታት ከምዝቐፀለ ይሕብር።

እቲ መግለፂ"ቅድሚ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብግጭት ኣብ ዝሳቐዩ ከባቢታት ሓዊሱ ብዘይ ተሓታትነት ሰፊሕ መግሃስታት መሰላት ተፈፂሞም እዮም"ይብል ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ "መብዛሕቲኦም መግሃስታት ሕጂ እውን ቀፂሎም ስለዘለው ህፁፅ ዓለምለኸ ቆላሕታ የድልዮ።"ገበን ፈፂምካ ናይ ዘይምሕታት ባህሊ "ብዝፈፀሙዎ በደል ተሓተቲ ንዘይኾኑ ሓይልታት ፀጥታ ካብ ምትብባዕ ወፃኢ ተወሳኺ ጉድኣት ከይፍፀም ዝኸልከሎ የለን’’ይብል።

ሓይልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣንፃር ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ዝተባህለ ሓይሊ ንዓመታት ይዋግእሉ ናብ ዘለውሉ ምዕራብ ኦሮሚያ ምብፃሕ ዝተኸልከለ እዩ።

እቲ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት ሎሚ እውን ግን ብሓይልታት መንግስቲ ዝፍፀሙ መቕተልትን ብሃበ ተረኽበ ምእሳርን ኣብቲ ከባቢ ቀፂሎም ይርከቡ ይብል ።

ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ወርሒ ሰነ መብዛሕቲኦም ተወላዶ ኣምሓራ ዝኾኑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማዊያን ሰባት ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብዕጡቓት ከምዝተጨፍጨፉ ይገልፅ።

ከባቢያዊ ሰበስልጣን ነቲ ቕትለት ዝፈፀሞ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ እዩ ክብሉ ከለው እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ነቲ ክሲ ብምንፃግ ፈፃሚኡ ናይ መንግስቲ ደጋፊ ሚልሽያ እዩ ክብል ይኸስስ።

ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ስዒቡ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ሰነ ሓይልታት መንግስቲ ተሓባበርቲ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ እዮም ኢሎም ንዝጠርጠሩዎም ሰባት ረሺኖም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ናይ ብዙሓት ጓሂ ብምግላፅ ዝፍለጥ ውሩይ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቅትለት ስዒቡ እቲ ክልል ከቢድ ህውከት ከተኣናግድ ፀኒሑ እዩ።ናቱ ምቕንፃል ስዒቡ ኣብ ጎደናታት ብዝተኻየዱ ሰልፍታት ልዕሊ 160 ሰባት ተቐቲሎም፣ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ፖለቲካን ተቓወምትን ኦሮሞ ተኣሲሮም።

ብዙሓት ድሕሪ ግዜ ተፈቲሖም፤ገሊኦም ግን ቤት ፍርዲ ንክፍትሑ እንተኣዘዘ እውን ማእሰርቶም ቀፂሉ ኣሎ።

እቲ ተሓላቒ መሰላት ኣብ መግለፂኡ"መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ መላእ ኦሮሚያ እናገደዱን ስድራታት ንዝኸፍአ ስቓይ ዘቓልዑን ዘለው መጥቓዕትታት ዕሽሽ ክብሉዎ የብሎምን።በደል ኣብ ዝፍፅሙ ናይ ፀጥታ መሓውራት ናይ ኣወዳድባ ምምሕያሽን ምምዕርራይን ምክያድ ማሕበራዊ ስምብራት ክሓውይ የድሊ እዩ’’ይብል።

እቲ መግለፂ ከጠቓልል ከሎ "ማሕበረሰባት ይሓቱዎ ብዘለው መንግስቲ ብሓይልታትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ንዝተፈፀሙ ከበድቲ መግሃስትታት ተኣማኒን ነፃን ምርመራ ምስላጥ ክጅምር ይኽእል እዩ’’ ይብል ።

XS
SM
MD
LG