ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሁማን ራይትስ ዎች፡ ሰበስልጣን ቻይና ንኣመንቲ እስልምና ዒላማ ዝገበረ ናይ ምክትታል መሳርሒ ተጠቒሞም ክብል ከሲሶም


ሁማን ራይትስ ዎች ሰበስልጣን ቻይና ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ንኣመንቲ እስልምና ብጃምላ ብምፍላይ፣ ንምምርማርን ንምእሳርን ዝከታተል App/መሳርሒ/ ይጥቀሙ ኣለው ክብል ከሲሱ።

ኣብ ኒውዮርክ ዝመደብሩ ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ሎሚ ሓሙስ ከምዝገለፆ እቲ ኣብ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ዝፅዓን ኣፕ፡ ሺንጃንግ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ግዝኣት ካብ ዝነብሩ ሰባት ዓይነት ደም፣ቁመት፣ሃይማኖትን ፖለቲካዊ ኣረኣእይኦምን ሓዊሱ ብዙሕ ዓይነት ሓበሬታ ከምዝእክቡ ሓቢሩ።

እቲ ኣፕ ወይ መሳርሒ ንናይ ሰባት ናይ ኢድ ስልኮም፣መኪንኦም፣ ዘጠራጥር ባህሪያቶም፣ሓደ ሰብ ምስ ጎረባብቱ ዘለዎ ቅርርብ፣ዘይልሙድ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኤሌክትሪ ዝኣመሰሉ ምንቅስቓስ ዜጋታት ዝከታተል እዩ።

XS
SM
MD
LG