ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሻ ባደር: ኢትዮጵያ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ጭቡጥ ለውጥታት ክትገብር ሕብረት ኣውሮጳ ድፍኢት ክገብር ፀዊዓ።መንግስቲ ተበፃሕነት ረድኤት ከረጋግፅን ብሃበ ተረኽበ ምእሳር ከብቅዕን እውን ኣለዎ ኢላ።
ሎሚ ሰኑይ ኣብ ብራስለስ ቤልጅም ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ኢትዮጵያ ዋና ኣጀንዳ ከም እትኸውን ዝገለፀት ላቲሻ ባደር እቲ ኣኼባ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረን ኣብ ልዕሊ ስቪል ህዝቢ ከቢድ ጉድኣት ዘውረድን ግጭት መበል 18 ኣዋርሕ የቑጽር ኣብ ዘለሉ እዋን'ዩ ኢላ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሚያዚያ ኣትሒዙ ረድኤት ብብዝሒ ክኣትው እንተፈቐደ እውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሎሚ እውን መግሃስትን ስቓይን ቀፂሉ ኣሎ ትብል። ሓደ ዓመት ናብ ዝፅጋዕ መንግስቲ ፌደራል ናብ ትግራይ መግቢ፣ነዳዲን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ከይኣትው ዕፅዋ ክቕፅልን መራኸቢታት፣ ባንኪን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ተበቲኹ ክቕፅልን ገይሩ ኢላ።
ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ትግራይን ዓፋርን ገበናት ኵናትን ካልኦት ከበድቲ መግሃስታትን ዝፈፀሙ ትርጉም ብዘለዎ ተሓታትነት ኣይተረጋገፀን ዝበለት ላቲሻ ባደር ሰበስልጣን ፌደራል ኣብ ኦሮሚያ ንዓመታት ጃምላዊን ዝተናውሐን ማእሰርቲ ኣብ ቀረባ ድማ ኣብ ኣምሓራ ንኣሽሓት ሰባት ምእሳሮም ትገልፅ።
ላቲሻ ባደር ሕብረት ኣውሮጳ ማዕረ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዝፍፀሙ ገበናት ኵናት ዝወስዱዎም ተረርቲ ስጉምታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፍፀሙ ገበናት ኵናት እውን ኣቕሊሉ ክርእዮ የብሉን ኢላ።