ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሁማን ራይትስ ዎች ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ቕትለት ፈጺሞም ክብል ገሊጹ


ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዋች ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ገበናዊ ቕትለት ፈጺሞም ክብል ገሊጹ። እቲ ትካል ሎሚ ዓርቢ 10 ታሕሳስ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፡ሓይልታት ትግራይ ካብ ነሓሰ 31 ክሳብ መስከረም 9:2021 ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ንሰሜናዊ ክፋል ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተቆፃፀርሉ እዋን፡ኣብ ክልተ ከተማታት ብብዓሰርተታት ዝቁፀሩ ሰላማውያን ሰባት ረሺኖም ኢሉ።

እዞም ዝተፈፀሙ ቅትለታት ዘመላኽትዎ፡ በቲ ካብ ክልል ትግራይ ሰጊሩ ተጋፊሑ ዝርከብ ኲናት ምኽንያት ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ዝፍፅምዎም ዘለዉ ግፍዕታት ገበናት ኲናት ተፈጺሙ እንተኾይኑ፡ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብቅልጡፍ ዓለምለኻዊ መፃረዪ ከጣይስ ዘመላኽት እዩ ኢሉ`ሎ ።

31 ነሓሰ 201 ሓይልታት ትግራይ ምስ ሓይልታት ፌደራል ኢትዮጵያን ሚልሻ ክልል ኣምሓራን ከቢድ ውግእ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ጭና ኣትዮም ። ነበርቲ ጭና ንሁማን ራይትስ ዋች ከምዝሓበርዎ ብተኸታታሊ ኣብ ዝነበራ ሓሙሽተ መዓልታት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝተፈላልዩ ኣጋጣሚታት 26 ሰላማውያን ሰባት ምቅታሎም ፣ ከምኡ'ውን 9 መስከረም 2021 ኣብ ከተማ ቆቦ 13 ሰላማውያን ሰባት ኣብ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ምቅታሎም ገሊፆም ። እዞም ቅትለታት ኣብቲ ዕለት ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ኸባቢ እናኣተዉ ከለው ብሓረስቶት እቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊኦም ንዝተወለዐ መጥቃዕቲ ዝወሰድዎ ግብረመልሲ እዩ ኢሎም ።

“ሓይልታት ትግራይ ኣብ ቁፅፅሮም ንዘለዉ ሰባት ብምቅታል ሰብኣውነት ዝጎደሎን ሕግታት ሰብኣውነት ኣብ ኲናት ዝጠሓሰ ተግባር ፈፂምሞም እዮም ።” ዝበሉ ዳይሬክተር ጎንፅን ቅልውላዋትን ሁማን ራይትስ ዋች ለማ ፋኪሕ “ እዞም ብኹሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ንዝተፈፅሙ ዘለዉ ቅትለታትን ካልኦት ግፍዕታትን ዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ አጻራይ ኣካል ተጣይሱ አብ ኢትዮጵያ ንዝተፈፀሙ ገበናት ኲናት ከፃሪ ክስመረሉ ዝግባእ እዩ “ ኢሎም ። ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፣ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ ምልሻን ክልል ኣምሓራ ኣንፃር ዕጡቋት ሓይልታት ትግራይ ምስ ነታ ክልል ከመሓድር ዝፀንሐ ህወሓት ብምትሕብባር ኣብ ዝገበርዎ ኲናት ሁማን ራይትስ ዋችን ካልኦት ተሓለቕቲ መሰላትን ብዝገብርዎ መርመራ ብኹሎም ወገናት ገበናት ኲናትን ከምኡ'ውን ገበናት ኣንፃር ሰብኣውነት ከምተፈጸሙ ሰነዳት ረኸቦም እዮም። እቲ ኲናት ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራ ብምስፍሑ አዝዩ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ህዝ ቢ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ'ዩ ። ኣብቲ ከባቢ 3.7 ሚልተን ህዝቢ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተቓሊዑ ይርከብ ።

ሁማን ራይትስ ዋች ኣብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ኣብ ልዕሊ 36 ሰባት ኣብ ጭናን ቆቦን ብዘካየዶ ቃለ መሕተት ሓይልታት ትግራይ 49 ሰላማውያን ሰባት ምቅታሎምን ሽም 44 ሰባት ምዝርዛሮምን ገሊፁ ። ብሓፈሻ 74 ሽም ዝርዝራት ዝረኸበ ኮይኑ ካብኦም እቶም 30 ስድራን መሰካኽር ዓይንን እቶም ዝሞትቱ እዮም ። ከም ሓበሬታ ሁማን ራይትስ ዋች በቲ ዝተካየደ ከቢድ ኲናትን ዝትኮሱ ዝነበሩ መዳፍዓትን ዝሞቱ ተወስኽቲ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ እዩ። ይኹን እምበር ክንደይ ዝኣኽሉ ይኾኑ ዝብል ግን ሓበሬታ ክረክብ ከምዘይክአለ ይሕብር ።

ሁማን ራይትስ ዋች ሰበ ስልጣን ህወሓት መልሲ ክህቡሉ ኣብ 4 ታሕሳስ ነቶም ክስታት ዝለኣኸሎም ኮይኑ ተቀቢሎም መልሲ ግን ኣይረኸበኩን ኢሉ ።

ቤት ምክሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ካብ ዘእወጅ ጀሚሩ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተጋፊሑ ኣብ ኩሎም ንዝተፈፀሙ ተግባራት ነቲ ሓይልታት ትግራይ ፈፂሞሞ ዝተባህለ ካልኦት ስጋብ ሕግታት ኲናት ዝጠሓሱ ገበናት በብደረጅኡ ዘለዉ ተሓተቲ ተፈልዮም ክፍለጡን ንመፃኢ ብሕጊ ንምሕታት ዘኸእል ሰነድ ክሕዝ ከምዝግባእ ሁማን ራይትስ ዋች ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ ።

ከምኡ'ውን ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት እውን ንኢትዮጵያ ኣብ ኣጀንድኡ ብምስፋር ንኹሎም ተፃባእቲ ወገናት ዝተለመ ማዕቀብ ፣ ዓለምለኸ ክልከላ ኣጽዋርን ዝኣምሰሉን ውሳነታት ብምሕላፍ ተወሳኺ ህልቂት ንኸየጋጥም ንምክልካል ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ ኢሉ ።

XS
SM
MD
LG