ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሁማት ራይትስ ዎች ኣብ ክልል ኦሮምያ 18 ሰነ ንዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝምልከት ጸብጻብ ኣውጺኡ


ዕጡቃት: ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ምዕራባዊ ክልል ኦሮምያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተወላዶ ኣምሓራ ከምዝጨፍጨፉን ናጻ ኣካል ንከጻርዮን ሁማን ራይት ዋች ጸዊዑ።

ተሓላቂ መሰላት ሁማን ራይት ዋች "ኣብ ምዕራባዊ ክልል ኦሮምያ፣ ሰላማዊያን ሰባት፣ ካብ መጥቓዕቲ ዝከላኸለሎም ኣካል’ውን የለን" ይብል።

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይት ዋች ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንብዙሓት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስቪላት ተወለድቲ ኣምሓራ ቀቲሉ ኢሉ።

እቲ ትካል ወሲኹ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ካብቲ መጥቓዕቲ ዘምለጡ እኹል መፅለሊ፣ሓለዋን ከምኡ እውን ፀገም ጥዕንኦምን ንምፍታሕ ትርጉም ብዘለዎ ከምዘይሰርሐ ገሊፁ።

እቲ ፀብፃብ 18 ሰነ 2022 ብከቢድ ዝተዓጠቑ ኣብ ጣቢያታት ቶሌን ሰኔን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝርከቡዎም ንልዕሊ 400 ተወላዶ ኣምሓራ ስቪላት ቀቲሎም ይብል።እቶም መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቃት ብተወሳኺ ብኣማኢት ዝቑጸር መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ኣዕኒዮም፣እንስሳትን ንብረትን ድማ ዘሪፎም ይብል።ብውሑዱ ሓሙሽተ ዓድታት ብሓዊ ከምዝተቓፀላ 480 ዝግመቱ ኣባይቲ ምዕናዎም ናይ ሳተላይት ምስልታት ከምዝሓበሩ ይገልፅ።ኣብ ጥቕኡ ዝነበሩ ሓይልታት ፀጥታ መጠንቀቕታ በፂሑዎም እናሃለወ ኣብቲ ቦታ ድሕሪ ስዓታት'ዮም ምብጽሖም'ውን ጸብጻብ'ቲ ትካል ይሕብር።

ኣብ ሁማን ራይት ዋች ዳይሬክተር ቀርኒ ኣፍሪቃ ላቲሻ ባደር "ዕጡቓት በብሓደ ነተን ዓድታት ኣዕኒዮም፣ምሉእ ስድራቤታት ብጭካነ ቀቲሎም፣ኣብቲ ቀረባ ዝነበሩ ሓይልታት መንግስቲ ዋላ ሓደ ነገር ኣይገበሩን’’ ኢላ።

ንሳ ብምውሳኽ "እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣማኒን ነፃን ምርመራ ኣብ ምክያድ ተሓተቲ ኣብ ምፍላይን ሓገዝ ንዘድልዮም እኹል ሓገዝ ክበፅሖምን ኣብ ምርግጋፅ ብዙሕ ክሰርሕ ከምዘለዎ ዝሕብር ዳሕረዋይ ጭፍጨፋ እዩ’’ኢላ።

ካብ 2019 ሓይልታት መንግስትን ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን(OLF) ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ክዋግኡ ከምዝፀንሑን ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞን ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ካልኦት ማሕበረሰባትን ከበድቲ መግሃስታት ከምዝተፈፀሙን እቲ መግለፂ ይሕብር።ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ሰነ ጭፍጨፋን ካልኦት መጥቓዕትታትን ፈፃሚኡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እዩ ክብሉ ይኸሱ።ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሞ ናይ መንግስቲ ሚልሻ እዩ ክብል ብምኽሳስ ነፃ ምርመራ ክካየድ ፀዊዑ ኣሎ።

ሁማን ራይት ዋች ካብ ሰነ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘለው ኣዋርሕ ኣብተን ሓሙሽተ ዓድታት ማለት እውን ካብ ምዕራብ ኦሮሞያ ጉቲን፣ጨቆርሳ፣ስልሳው፣በገነ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ድማ ሰኔ ቀበሌ ን19 መሰኻኽር ዓይኒን ስድራ ግዳያትን ሓዊሱ ን25 ሰባት ብስልኪ ቃለ መጠይቕ ከምዘካየደ እቲ መግለፂ ይሕብር።

እቲ ፀብፃብ ሁማን ራይት ዋች ዝርዝር ዝተቐትሉ ካብ ነበርቲ ከምዝረኸበን ቅድምን ድሕሪን እቲ መጥቓዕቲ ንናይ ሳተላይት ምስልታት ከምዝገምገመን ይሕብር።

ንጉሆ 18 ሰነ ደቂ ተባዕትዮ ነበርቲ ንደቂ ኣንስትዮን ቆልዑትን ገዲፎም ናብ ሕርሻ ወይ ንናይ ዕዳጋ ውራዮም ምስ ወፁ ብከቢድ ዝተዓጠቑ ጉጅለታት ደቂ ተባዕትዮ ብሃንደበት ነተን ዓድታት ኣጥቒዖም።

ሓደ ሓረስታይ ካብ ጉቲን ከምዝበሎ ቶኽሲ ጥይት ከምዝሰምዐን ብኣንፈት ስልሳው ትኪ ከምዝረኣየን ይገልፅ።"ብጉያ ናብ ገዛይ ምስ ከድኩ እቲ ከባቢ ብረት ብዝተዓጠቑ ደቂ ተባዕቲዮ ተኸቢቡ:ደቀይ ሒዘ ናብ ዱር ሃዲመ": እቶም ዕጡቓት ኣብ ጥቕኦም ዘሎ ሓበሬታ ስለዘይብሎም ‘ወድኡዎም፤ ከይትሓድጉዎም፤ፀንቅቑዎም’ ኢሎም ክዛረቡ ሰሚዐዮም ይብል።

ሓሙሽተ ደቃ ሒዛ ኣብ ጥቕዑ ኣብ ዝነበረ ማሸላ ዝተሓብአት ጓል ኣንስተይቲ እቶም ኣጥቓዕቲ ደድሕሪኣ ከምዝሰዓብዋ ትዛረብ።

"ወዲ ሸሞንተ ዓመት ወደይ ክበኪ ጀሚሩ።ጥይት ናባና ወገን ቅድሚ ምትኳሶም ሓደ ካብቶም ኣጥቓዕቲ ‘ኣብኡ ድለዩ፣ኣብኡ ድለዩ’ ክብሉ ሰሚዐዮም።ንወደይ ቶኪሶም ቐቲሎምዎ። ብዝተኸደንኩዎ ጨርቂ ኣቢለ ጠቕሊለዮ።ካልኣቲ ጓለይ እውን ብድሕሪት ተወቒዓ እቲ ጥይት ብክሳዳ ወፂኡ።ዝቖሰለት ጓለይ ናብ ደረተይ ሓቒፈ ኣላህ ህይወታ ኣድሕነለይ ኢለ ምፅላይ ጀሚረ" ትብል።

እቲ መጥቓዕቲ ብዙሕ ስዓታት እዩ ወዲኡ።ሓሙሽተ ነበርቲ ሓገዝ ክግበረሎም ናብ ሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢ ኣብ ኣስታት 17 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ንዝነበሩ ሓይልታት ፀጥታ ፌደራልን ክልላዊ መንግስትን ከምኡ እውን ወታሃደራዊ ካምፕን ተደጋጋሚ ስልኪ ምድዋሎም ይገልፁ።

እዚ ፀብፃብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃሃዲ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት \ኦቻ\ ኣብ ቶሌ እንተወሓደ 4,800 ሰባት ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ድማ ልዕሊ 500,000 ሰባት ብሰንኪ ግጭት ምምዛባሎም ገሊፁ ይብል ።

እቲ ግጭት ከበድቲ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ኣስዒቡ። ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮሞ ጃምላዊ ቕትለት፣ብሃበ ተረኸበ ማእሰርትን ከምኡ እውን ርክብ ናይቲ ከባቢ ክበትኹ ፀኒሖም ይብል።

እቲ መግለፂ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንሰበስልጣን መንግስቲ ብምቕታል ወታሃደራዊ ንዘይኮነ ኣብያተ ፅሕፈት ኣጥቒዖም እዮም ይብል ።

መንግስትን ናይ ኢትዮጵያ ቀይሕ መስቀልን ናይ 18 ሰነ መጥቓዕቲ ስዒቡ ንነበርቲ ሰብኣዊ ረድኤት ምሃቦም ገሊፆም ኣለው።ይኹን እምበር ንሁማን ራይትስ ዎች ቃሎም ዝሃቡ ነበርቲ ሓደ ግዜ ጥራሕ ሓገዝ መግቢ ከምዝረኸቡን ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዘሎ እዋን መፅለሊ ስለዘይብሎም ከቢድ ናይ ጥዕና ፀገም ከምዘጋጠሞምን ገሊፆም ኣለው።

ሁማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ፀብፃብ መፍትሒ ዝበሎም ሓሳባት እውን ሂቡ ኣሎ። ኩሎም ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ዕጡቓት ንኹሎም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብ ከሳልጡ ኣለዎም ይብል።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ቅትለት: ዕንወት ንብረትን ካልኦት መግሃስታትን ብዝምልከት ዝካየድ ምርመራ ንህዝቢ ሓበሬታ ክህብ ፀዊዑ ኣሎ።

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን እውን ኣብ ልዕሊ ስቪላትን ንብረት ስቪላት ዝፍፀም ዘይሕጋዊ መጥቓዕቲ ብዘይውዓል ሕደር ከብቅዕ ይፅውዕ።ሁማን ራይትስ ዎች ነዚ መጥቓዕትን ካልኦት መግሃስትን ንዝእዝዙ ክቕጽዑ ወሲኹ ፀዊዑ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG