ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሀይቲ: ን17 ሚስዮናዊያን ዝጨወየ ጉጅለ 17 ሚልዮን ምሕታቱ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝተባህለ ጋዜጣ ሓቢሩ


ኣብ ሀይቲ፣ ንኣባላት ኣሜሪካዊያን ሚስዮናዊያን ዝጨወዩ ጉጅለ፣ 17 ሚልዮን ጋር ነብሲ ከምዝሓተቱ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል "400 ማውዞ እናበሉ ንገዛእ ርእሶም ዝጽውዑ ጉጅለ ፣ ነቶም 16 ኣሜሪካዊያንን ሓደ ካናዳዊን ሚስዮናዊያን፣ ነብስ ወከፍ ሓደ ሚልዮን ዶላር ጋር ነብሲ ንክኽፈሎም ሓቲቶም" ይብል።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ብወገኑ ፌደራላዊ ቢሮ ምርመራ፣ እቶም ሚስዮናዊያን ይደልዮም ከምዘሎን ከፍትሖም ይጽዕር ከምዘሎን ገሊጹ'ሎ።

ሕቡራት ሃገራት’ውን ተመሳሳሊ፣ ተግባር ጭውያ ኣብ ሀይቲ ንስራሕቲ ወፍሪ ሰብኣዊ ሓገዛት ይጸልዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ማሕበር ሰራሕተኛታት፣ ኣብ’ታ ሃገር እናገደዶ ይኸድ ንዘሎ ጸገም ጭውያ ንምቅዋም ድሕሪ ዘቃለሖ መጸዋዕታ፣ ጎደናታት ዋና ከተማ ሃገረ ሀይቲ ትማሊ ሶኑይ ጽምዋ ሰፊንዎ ከምዝወዓለ ፣ ሹቃትን አብያተ ትምህርቲን ተዓጽዮም ከምዝዋዓሉ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG