ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሀይቲ: ሓላፊ ጸጥታ ቤተ መንግስቲ ምስ ቕትለት ፕረዚደንት'ታ ሃገር ብዝተሓሓዝ ኣብ ቐይዲ ኣትዩ


ፕረዚደንት ጆቨኒል ሞይስ
ፕረዚደንት ጆቨኒል ሞይስ

ኣብ ሀይቲ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ጉዳይ ቅንጸላ ፕረዚደንት ጆቨኒል ሞይስ ዝግበር ዘሎ መርመራ ሓላፊ ጸጥታ ቤተ-መንግስቲ ዲሚትሪ ሀራልድ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ንሱ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ፍሉይ ዓቃቢ ሕጊ ንሕቶ ደልዩዎ ስለዘይቀረበ`ዩ ይብል ።

ፕረዚደንት ሞይስ ዝሓለፈ ሰሙን`ዩ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተቐቲሉ- ሰበይቱ`ውን ከቢድ መውጋእቲ አጋጢምዋ`ሎ። ኣዛዚ ፖሊስ ሀይቲ 18 ደቂ ኮሎምቢያን ሰለስተ ደቂ ሀይትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ`ሎ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብቲ መርመራ ዝተሓጋገዙ ሓደ ፍሉይ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ሀይቲ ኣበጊሱ`ሎ-።

XS
SM
MD
LG