ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምርጫ ከካይዳ እየን


ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ አንጎላ፡ኬንያን ሩዋንዳ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ወሳነ ዝኾነ ምርጫ ከካይዳ እየን። ሰለስቲአን ሃገራት ብኩሉ መዳይ ዝተፈላልያ እየን እንተኾነ ንኩነታተን ተመሳሳሊ ዝገብሮ ሰለስቲአን ሃገራት ልዑል ውጥረት ዘለዎ ብዙሓት ብቀረባ ዝከታተልዎ ምርጫ ብምክያደን እዩ።

ካብዘን ሰለስተ ሃገራት ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ምርጫ ተካይድ ሩዋንዳ’ያ፡ ካብ ቀንዲ ተወዳደርቲ ድማ ነታ ሃገር ካብ 1994 ዓ.ም ጀሚሮም ዝመርሕዋ ፕረዝደንት ፓል ካገመ እዮም። ፕረዝደንት ካጋመ ኣብ 1994 ዓ.ም ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ምጽናት ዓሌት ድሕሪ ምዝዛሙ ነታ ሃገር ክመርሑ ዝጸንሑ ምኳኖም’ውን ይፍለጥ።

ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ በዓል ሞያ ዝኾኑ ሙሪቲ ሙቲንጋ ካብ ዓለምለኸ ክራይስ ግሩፕ ግን ውጽኢት እዚ ምርጫ ዘገርም ከምዝኸውን ይገልጹ፡ ብተወሳኺ ንሶም እቲ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ነታ ሃገር ኮነ ንሃብታማት መሻርክቲ እታ ሃገር አገዳሲ ምኳኑ ይገልጹ።

“ይመስለኒ ነቲ ሩዋንዳ ርእሰ መላኺ ስርዓት ዲዩ ዘለዋ ወይስ ንኣገባብን መስርሕን ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ዘኽብር ስርዓት ንዝብል ሕቶ ዝምለሰሉ ምርጫ እዩ ኽከውን ብፍላይ ድማ ሩዋንዳ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ልዑል ሓገዝ ምዕራባዊያን ትርኸብ ሃገር ብምኳና አገዳሲ ምርጫ’ዩ።"

ኣብ ካልኣይ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ዝኻየድ ምርጫ ኬንያ ኣብ መንጎ ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ እታ ሃገር ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታን መራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋ ክካየድ እዩ።

ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ሕብረት ኣውሮጳ ንናይ ሩዋንዳ ምርጫ ዋላ ሓደ ተዓዛባይ ከምዘይልእኽ ብኣንጻሩ ናብ ኬንያ ግን 100 ተዓዘብቲ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ምርጫ 2007 ዓ.ም መራሒ ተቓወምቲ ኦዲንጋ ምስ ተሳዕሩ ብዝተላዕለ ንምጥፋእ ህይወት ልዕሊ 1,100 ሰባት ምክንያት ዝኾነ ፖለቲካዊን ዘርኣዊ ግጭታት ተኸቲሉ ኬንያ ቅዋማዊ ለውጢ ምትእትታዋ ይፍለጥ።

ማቲንጋ ግን እዚ ናይ ወርሒ ነሓሰ ምርጫ እቶም ለውጢታት ክቅጽሉ ድዮም ወይስ ክቋረጹ ዘፍልጠሉ እዩ ይብሉ።

“ከምቲ ናይ 2007 ዓ.ም እዚ ናይ ሕጂ ምርጫ’ውን ዝተቐራረበ’ዩ ኽከውን፡ ውጥረት ኣብ መንጎ ተወዳደርቲ ልዑል’ዩ፡ ብተወሳኺ ከም ምርጫ ቦርድ ዝአመሰለ ትካላት ድማ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ንምፍጻም ኣብ ቃልሲ ይርኸቡ።”

ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ምርጫ ተካይድ ድማ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ኣንጎላ እያ፡ እዚ ምርጫ ንመጀመርያ ጊዜ ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ እታ ሃገር ፕረዝደንት ጆስ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ዘይሳተፍሉ ምርጫ’ዩ ኽከውን። ወዲ 74 ዓመት ፕረ. ሳንቶስ ድሕሪ 38 ዓመታት መሪሕነት’ዮም ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ካብ መዝነቶም ከምዝወርዱ’ውን ዘፍለጡ ይኹን ደአ እምበር እቲ ምርጫ ሕጂ’ውን ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርትን ተቓዋሚ ፓርትን እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምርጫ ከካይዳ እየን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:12 0:00

XS
SM
MD
LG