ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ዕፈና መደባት ኣብ በርኪናፋሶ


VOA
VOA

ሰብ-መዚ በርኪናፋሶ ካብ ትማሊ ሓሙስ 25 ሚያዝያ ጀሚሮም ናብታ ሃገር ዝቐንዐ ፈነወ መደብ ቋንቋ ፈረንሳን ባምባራን ንኽልተ ሰሙንኣጊዶም ኣለዉ። እዚ ድማ ዝርጋሐ መርበብ ሓበሬታ ክጎድል፡ ኣብ ትሕዝቶ ድማ ቅድመ-ምምያ ክግበርን ዝፍትን’ዩ። ምኽንያት ናይዚ ዝሓለፈ መምርሒ ብሰራዊት በርኪናፋሶ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዜጋታት ድሕሪ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ጥሕሰት ድሕሪ ምጽብጻቡ’ዩ።

“ናብ በርኪናፋሶ ዝቐንዐ ሸፈነና፡ ናጻን ርትዓዊን ጌርና ክንቅጽል ኢና፡” ይብል ግዜያዊ ዳይረክተር ድምጺ ኣመሪካ ጆን ሊፕማን። ንሱ ወሲኹ “ድምጺ ኣመሪካ ንመትከላት ጋዜጠኝነትን ርትዓዊን ዘይሻራዊን ሸፈነ ብግቡእ እትከታተል’ያ። መንግስቲ በርኪናፋሶ ድማ ነቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ ክቕልሶ ንሓትት፡” ኢሉ።

ሊፕማን ወሲኹ "ዓለም መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ንምዝካር ኣብ ትዳለወሉ፡ ናጻን ዝርግሓ ሓበሬታን ዜናን ንምዕጋት ዝተወስደ እዚ ዳሕረዋይ ስጉምቲ ነቲ ድምጺ ኣመሪካ ትኽተሎ መሪሕ 'ናጻ ፕረስ ኣድላዪ'ዩ' ዝብል ቴማ ሓደ ምኽንያት'ዩ፡" ኢሉ።

ብመሰረት ኣብ 2020 ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ድምጺ ኣመሪካ ናብ 14.3 ሚእታዊት በርኪናውያን ይበጽሕ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG