ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወታሃደራዊ መሪሕነት በርኪናፋሶ ንድምጺ ኣመሪካን ቢቢሲን ንኽልተ ሰሙን ኣጊዱ


ንጥሩፋት እስላማውያን ጉጅለ ሸፈነ ሂበን ብምባል፡ መሪሕነት በርኪናፋሶ ንድምጺ ኣመሪካን ቢቢሲን ኣብታ ሃገር ንኽልተ ሰሙን ዝጸንሐ ክልከላ ኣንቢሩ። ኣብቲ ትማሊ ወግዓዊ ዝዀነ መምርሒ መንግስቲ፡ እዘን ካብ ኣመሪካን ዓዲ-እንግሊዝን ዝፍነዋ መደበራት ዜና፡ “ሰራዊት እታ ሃገር ንሲቪላውያን ዜጋታት ገፊዑ ኢለን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታተን’ውን ምጽብጻበን” ካብቲ ካልእ ምኽንያት መኸልከሊአን ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ።

ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ሓንቲ ምስ ጥሩፋት እስላማውያን ጉጅለ ጎንጺ ዝካየደላ ዓዲ 223 ሲቪላውያን ዜጋታት ምቕታሎም ጸብጺቡ ነይሩ። እዚ ፍጻመ ብ25 ለካቲት ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ድሕሪ ምውጻእ እቲ ጸብጻብ እንኮላይ ብድምጺ ኣመሪካ ተቓሊሑ’ዩ።

ድምጺ ኣመሪካ ነዚ ትማሊ ዝሰዓበ ክልከላ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ውሳነ ብትሪ ኰኒኑን ሰብ-መዚ እታ ሃገር ድማ ንመምርሒታቶም ክቕይሩ ጸዊዑን። ግዜያዊ ዳይረክተር ድምጺ ኣመሪካ ጆን ሊፕማን ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ ምላሽ፡ “ድምጺ ኣመሪካ ናጻን ርትዓዊን ሸፈነ’ያ እትህብ” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዝተፈነወ ጸብጻብ ድማ ንእሙናት ምንጭታት ብምጥቃስ ምዃኑ ሓቢሩ።

ክልከላ እዘን ዝደሓራ መራኸቢ ብዙሃን ካፒተን ኢብራሂም ተራዎረ ኣብ መስከረም 2022 ብዕልዋ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ዝደሓረ ክልከላ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ካፒተን ትራወረ፡ እታ ሃገር ምስ ፈረንሳ ዝነበራ ዝምድና በቲኻ፡ ብሕልፊ ካብ ፈረንሳ ዝፍነዋ መራኸቢታት ድማ ክትክልክል ጸኒሓ’ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG