ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ኣብ ፈላማይ ምርጫ ሪፐብሊካዊያን ተዓዊቶም


ትራምፕ ኣብ ፈላማይ ምርጫ ሪፐብሊካዊያን ተዓዊቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:29 0:00

ትራምፕ ኣብ ፈላማይ ምርጫ ሪፐብሊካዊያን ተዓዊቶም

ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ኣይዋ ዝተኻየደ ፈላማይ ምርጫ ሪፐብሊካዊያን፣ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ልዕሊ 50 ሚእታዊ ብምርካብ ጎሊሁ ዝራኣይ ዓወት ኣመዝጊቦም። ብርቱዕ ቁሪ ንቁጽሪ መረጽቲ ካብ ቤቶም ንከይወጹ ስለዝደረቶም ዝተሓተ ህዝቢ ከምዝመረጸ’ውን እቲ ዜና ገሊጹ።

ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፣ ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ኣይዋ ዝተኻየደ ፈላማይ ምርጫ ሪፐብሊካዊያን ትማሊ ምሸት ዝተዓወቱ፣ ብመሰረት ሪፐብሊካዊያን ፓርቲ ዝመጽእ ሕዳር ኣንጻር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝወዳደረሎም ሕጹይ ንምምዛዝ ክፍለ ግዝኣት ብክፍለ ግዝኣት ኣብ ዘካይድዎ ተኸታታሊ መስርሕ እዩ።

ብመሰረት’ቲ ትማሊ ዝተካየደ ምርጫ ትራምፕ ኣስታት 51 ሚእታዊ፣ ኣማሓዳሪ ፍሎሪዳ ራን ዲ ሳንቲስ ካልኣይ፣ ኣማሓዳሪት ክፍለ ግዝኣት ደቡባዊ ካሮላይና ኒኪ ሃለይ ድማ ሳልሳይቲ ኮይኖም ነቲ ውድድር ዛዚሞምዎ።

"ኣዝዩ ዘሕጉስ ተመክሮ እዩ" ዝበሉ ትራምፕ ድሕሪ ዓወት ንደገፍቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ብ12 ነጥቢታት ኣፈላላይ እንተስዒርካ ዓብዪ ዓወት እዩ፣ ግና’ከ ከቢድ እዩ ኢሎምና ነይሮም። ውጽኢትና ምስትሪኢዎ ግና ብክልተ ዕጽፊ ኢና ተዓዊትና" ኢሎም።

ሪፐብሊካዊያን ሕጹያት ፕረዚደንት ካብ ክፍለ ግዝኣት ናብ ክፍለ ግዝኣት እናኸዱ ብብዝሒ ዘዋህልልዎም ነጥቢታት (ወከልቲ ኣባላት ፓርቲ) ትኹረቶም ዝረክብ ክኸውን እዩ። ኣብ ሓፈሻዊ ፕረዚደንታዊ ውድድር ዝበጽሕ ሕጹይ 1215 ወከልቲ ክረክብ ኣለዎ።

ኣብ መስርሕ ምርጫ ኣመሪካ ቀዲማ ትስራዕ ክፍለ ግዝኣት ኣይዋ ብመንጽር ብዝሒ ተወከልቲ ኣዝያ ንእሽቶይ እያ። ብመሰረት ዝረኸብዎ ድምጺ፣ ትራምፕ 20 ወከልቲ፣ ዲ ሳንቲስ 8፣ ሃልይ ድማ 7 ረኺቦም አለው።

ሰለስቲኦም ተወዳደርቲ ድሕሪ እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ምርጫ ኣይዋ ብምትእምማን ከምዝቅጽሉ ይዛረቡ። ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኒው ሃምሸር፣ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ደቡብ ካሮላይና ተመሳሳሊ ውድድር ይጽበዮም ኣሎ።

ኒኪ ሃለይ ትማሊ ምሸት ድሕሪ ፍጻመ እቲ ምርጫ ንደገፍተን ክዛረባ ከለዋ ንርእሰን፣ ከም ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ዓቃባዊያን ገይረን ከምዝቆጽራ ብምሕባር ናይ ትማሊን ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ዝህልው ምርጫታት፣ ምስ ትራምፕ ዘለወን ኣፈላላይ ብልጫ ከምዘጽብበኦ’ውን ሓቢረን ኣለዋ።

ሃለይ ኣብ መደረአን "ኣብ ኒው ሃምሸር፣ ደቡብ ካሮላይናን ስግርን ዝህልወና ውጽኢት፣ ሓደ ነገር ብርግጸኝነት ንክዛረብ ኣኽኢሉኒ ኣሎ፣ ኣይዋ ሎሚ ምሸት፣ መባእታዊ ውድድር ሪፐብሊካዊያን፣ ኣብ ሞንጎ ክልተ ሰባት ጥራሕ ከምዝኾን ሓቢሩና ኣሎ" ይብላ።

ሳልሳይ ተወዳዳራይ ዲ ሳንቲስ ብተረኦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንሶም ሕጹይ እንተኾይኖም "ንናይ’ዛ ሃገር’ዚኣ ተስፋ ዘለምለመ እዩ" ክብሉ ይገልጽዎ። ንደገፍቶም ድሕሪ ምምስጋኖም ድማ "ኩሉ ኣንጻርና ዝኾነሉ መስርሕ ምርጫ ኮይኑ ኣሎ" ኢሎም።

ዲ ሳንቲስ "ብዙሓት መደባት ኣለዉና። እቲ ክብለኩም ዝኽእል ግና፣ ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃነይ፣ ነዛ ሃገር’ዚአ ክንሰርሕ ኢና"ኢሎም ።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣይዋ ዝተሳለጠ መባእታዊ ምርጫ ሪፐብሊካዊያን ንዕድመ ካልኦት ሕጹያት ኣሕጺሩዎ አሎ። ንኣብነት ወፍሪ ራማስዋሚይ ኣብቂዑ ኣሎ። ብመሰረት ዝተኣከበ ውጽኢት 7.7 ረኺቡ ራብዓይ ዝወጸ ቪቨክ ራማስዋሚይ፣ ንርእሱ ካብ’ቲ ወፍሪ ከምዘግለለን ደገፉ ንፕረዚደንት ትራምፕ ከምዝህብን ኣፍሊጡ።

ቅድሚ ኣይዋ’ውን እንተኾነ፣ ካልኦት ሕጹያት ንርእሶም ካብ’ቲ መስርሕ ኣግሊሎም እዮም። ምክትል ፕረዚደንት ትራምፕ ዝነበሩ ማይክ ፐንስ፣ ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኒው ጀርሲ ዝነበሩ ክሪስ ክሪስቲን ኣማሓዳሪ ደቡብ ካራሎይና ዝነበሩ ሴነተር ቲም ስካት ሳኣን ህዝባዊ ደገፍ ካብ’ቲ ውድድር ኣቅድም ኣቢሎም ወጺኦም እዮም።

ብመሰረት ተንተንቲ ፖለቲካ ኣመሪካ፣ ዝመጽእ ዓመት ዝሳለጥ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ሞንጎ 77 ዓመት ዝዕድሚኦም ዶናልድ ትራምፕን 81 ዓመት ዝዕድሚኦም ናይ ሎሚ ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ክኸውን እዩ።ክሳብ ሽዑ ግና፣ ትራምፕ ንዝተፈላለዩ 91 ክሲታት ክማጎትሉ እዮም። ከምኡ ኮይኑ’ውን ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝቀረቡ ክሲታት፣ ንምርጫ ኣይዋ ብኣሉታ ክጸልዎ ኣይተራኣየን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG