ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መሕትት ኣብ ጉዳይ ኩነታት ኤች.ኣይ.ቪ/ኤድስ ዓለም፣ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እንታይ ይመስል?


ቃለ መሕትት ኣብ ጉዳይ ኩነታት ኤች.ኣይ.ቪ/ኤድስ ዓለም፣ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እንታይ ይመስል?
please wait

No media source currently available

0:00 0:36:02 0:00

ቃለ መሕትት ኣብ ጉዳይ ኩነታት ኤች.ኣይ.ቪ/ኤድስ ዓለም፣ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እንታይ ይመስል?

ቫይረስ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤድስ ንምቁፅፃር ብምኽኣሉ ኣብ ሰባት ዘሎ ርድኢት'ቲ ሕማም ሸለልትነት ይረኣዮ ኣሎ ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ዊሰከንሰን መምህርን ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዶክተር ዳውድ ሲራጅ ይገልፅ።

ዶክተር ዳውድ ኣብ 2023 ዝወፀ ፀብፃብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ 39 ሚሊዮን ሰባት ምስቲ ቫይረስ ከምዝነብሩን ምስፍፋሕ እቲ ቫይረስ ናብ ትሑት ኣሃዝ ከምዝወረደን ይገልፅ ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ብዘቕረቡዎ ሓገዛት መድሓኒትን ካልኦት ናውትን መጠን ምትሕልላፍ ናብ 0.05 ሚእታዊ ወሪዱ ኣብ ክልል ትግራይ እውን ተመሳሳሊ ከምዝነበረን ይገልፁ።

ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይ ግን ትካላትን ስርዓትን ጥዕናን እቲ ክልል ብምዕናዉ ከምኡ እውን ሰፊሕ ምምሕዳራዊ ከባቢ ብኻልኦት ሓይልታት ብምትሓዙን መጠን ምስፍሕፋሕ 'ቲ ቫይረስ ምፍላጥ ከምዘይክኣልን ይግለፅ።

ሓደሽቲን ውፅኢታውን መድሓኒታት ይተኣታተው ብምህላዎም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ማዕረ ሕማም ዘይብሎም ሰባት ክነብሩ ከምዝእኽሉ ዝገልጹ ዶክተር ዳውድ ሲራጅ ክታበትን ፈውሲ ዝኸውን መድሓኒትን ንምርካብ ዝግበር ምርመራታትን ፈተናታቱን እውን ገሊፆም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG