ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ብምፍራስ ፒያሳ ይሓዝኑ


ኢትዮጵያዊያን ብምፍራስ ፒያሳ ይሓዝኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:50 0:00

ኢትዮጵያዊያን ብምፍራስ ፒያሳ ይሓዝኑ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ፒያሳ ዝርከብ ብዙሕ ታሪኻዊ ህንጻታት ብቡልዶዘራት ይፈርስ ከም ዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

ሰበ-ስልጣን እቲ ዕላማ ኣካል ዘመናውነት`ዩ ይብሉ። ነበርቲ ግን ታሪኽናን መንነትናን`ዩ ዝዓኑ ዘሎ ይብሉ።

ኣብ ፒያሳ ብዙሕ ህንጻታት ከም ዝፈርስ ይግበር ኣሎ ። ፒያሳ ዝፈራረሰ ገዛ ተኣኪቡ ይረአ። እንዳ ወርቂ፡ ድኳናት፡ ከምኡ`ውን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ዕሙር ኣብያተ መግብን መስተን ሕጂ የለን።

ነበርቲ፡ ሰበ-ስልጣን ነቲ ስጉምቲ ክወስድዎ ከለዉ ንኽንዳሎ`ኳ እኹል ግዜ ኣይህቡናን ይብሉ። ነቐፍቲ ከም ዝብልዎ እቲ ኮሪደር ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፕሮጀክት፡ ነቲ ህንጻታት ጥራይ ዘይኮነ ዘዕኑ ዘሎስ ነቲ ካብ ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ ዝመጸ ተቐማጢ፡ ነቲ ዝጸንሐ ማሕበራዊ ምትእስሳር`ውን ዝበታትኽ`ዩ ይብሉ።

ከም ብዙሓት ርእይቶ ምሃብ ዝፈርሑ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ሳሚራ ዝብል ሽማ ጥራይ ዝሃበት ጓል 30-ዓመት ሰራሕተኛ መንግስቲ፡ ብዛዕባ ምፍራስ ፒያሳ ክትዛረብ ከላ፡ ብዙሕ ዝጸንሓና ሃብታም ታሪኽና ይዓኑ`ሎ ትብል። ገዝኦም ከም ዝፈርስ እንተሓበርዎም`ኳ፡ ዝፈርሰሉ ግዜ ግን ከም ዘይነገርዎም ትገልጽ። ምጽእ ኢሎም ማይን ኤለክትሪክን ቆሪጾምልና፡ ድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ክንወጽእ ኣዚዞምና ትብል እታ ኣደ ሓደ ቆልዓ ዝኾነት መንእሰይ ተቐማጢት ፒያሳ ነበር፡ ሳሚ ዝተባህለ ካልእ ነባሪ ፒያሳ`ውን ተመሳሳሊ ዛንታ ይነግር።

ኣብ 1930`ታት ብሓይልታት ሙሶሊኒ ፒያሳ ተባሂሉ ዝተጸውዐ ክሳብ ሎሚ ድማ ከም ልሙድ ፒያሳ ዝብሃል ኣራዳ ወረዳ፡ ካብ ግዜ ሚኒሊክ ጀሚሩ፡ ሕንብርቲ ንግዲ ኮይኑ ምጽንሑ፡ ምህርቲ ስነ-ህዝቢ ዶሞኒክ ሃረ ትገልጽ። ንሳ “ኣዲስ ኣበባ፡ ኣራዳ” ዝብል መጽሓፍ ዝጸሓፈት ኮይና፡ ከባቢ ፒያሳ፡ ኣብያተ ንግዲ ኢትዮጵያውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣረመንያ፡ ህንዲ፡ ግሪኽ፡ ፈረንሳ ካልኦትን ሕብረተሰብ ምንባሮም ትጠቅስ።

ምሁር ስነ-ህንጻ ፒየት ናይደር ብወገኑ፡ ምዕባለ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 1886 ክሳብ 1936 ዝተመስረተ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዝተፈላለዩ መንግስታት`ውን ዝተፈላለዩ ምፍራስ ገዛውቲ ከጋጥm ከም ዝጸንሐ ድሕሪ ምግላጽ፡ እንተኾነ እዚ ናይ ሕጂ ምፍራስ ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑን፡ ወሰን ኢልካ ዝግበር ምፍራስ`ውን ምዃኑን ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣተግቢሩ`ዩ፡ ካብ መንጉኦም እቲ ሓዲሽ ቢልዮናት ዶላራት ዝወድአ ቤተ-መንግስትን፡ ኣብ ገምገም ፒያሳ ዝተሰርሐ ሓዲሽ ቤተ-መዘክርን ይጥቀሱ።

እዚ ከምኡ ዝበለ ግዙፍ ወጻእታት ሕቶታት ከልዕሉ ጸኒሖም`ኣለው። ኣብታ ልዕሊ 21-ሚልየን ህዝቢ ብሰንኪ ግጭትን ቅልውላው ክሊማን ተጸባይ ረድኤት ኣብ ዝኾነላ ሃገር፡ ከምዚ ዝበለ ህንጻታት ምህናጽ መድለየ`ዶ ዝብል ሕቶታት ይለዓሉ።

ብዛዕባ`ቲ ኣብ ፒያሳ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ዘሎ ምፍራስ ገዛውቲ ምላሽ ዝሃበ ዳይሬክተር በዓል-ስልጣን ሓድግታት ኢትዮጵያ ኣበባው ኣያለው፡ ባህላዊ ሓድግታት ኣዲስ ኣበባ ዘይጉዳእ ምዃኑ ንምርግጋጽ ብቐረባ ንሰርሕ ኣለና ይብል። ሓደ ህንጻ ነዊሕ ዕድመ ስለዝገበረ ጥራሕ፡ ብቐጥታ ኣብ ደረጃ ቅርሲ ኣይምደብን`ዩ ይብል።

እቶም ካብ ቦትኦም ዝተሰጎጉ ነበርቲ ፒያሳ፡ ብጉድለት ፋይናንሳዊ ካሕሳን መቐየርታ ቦታን የማርሩ። ኣዜብ ትብሃል ነባሪ ፒያሳ፡ ዝተዋህበና ቦታ ካብ ጽርግያ ዝወጸ፡ ንገዛ ኾነ ንግዲ ዘይጥዕም ቦታ`ዩ ትብል። ሓደ ማዕጾ ኮነ መስኮት ዘይብሉ፡ መስመር ማይ ኮነ ኤለክትሪክ ወይ ሽቓቕ ዘይብሉ፡ ምሉእ ብምሉእ ዘይተወደኣ ገዛ እዮም ሂቦምና ትብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG