ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ንጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ይነጽግ


ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ነቲ ብ22 ሚያዝያ ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጽአ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት፡ “ኣብ ኣገባብ ኣተኣኻኽባኡ ስሕተት ዘለዎን ፖለቲካዊ ዕላማ ዝመንቀሊኡን” ክብል ኣትሪሩ ነጺጉዎ። ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ 2 ግንቦት ዝወጽአ መግለጺ፡ “ኣመሪካ ንናይ ካልኦት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ክትመዝን ሞራላዊ ሓላፍነት የብላን፡” ብምባል፡ “እቲ ጸብጻብ መቐጸልታ’ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ምጽላም ዘመተ’ዩ” ክብል ኰኒኑዎ።

ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ንኣስታት 200 ሃገራት ርእሰ-ምምሕዳራትን ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ንኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ዝጥሕስን’ዩ ክብል ገሊጹዎ ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG