ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ኣመሪካ -- ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣሰካፊ ተርእዮ


ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ኣመሪካ -- ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣሰካፊ ተርእዮ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:21 0:00

ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ኣመሪካ -- ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣሰካፊ ተርእዮ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ንዓመታዊ ገምጋም ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከበድቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝተራእየ ከመልክት እንከሎ፡ ካብ መንጎ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ፡2023 ሰፋሕቲ ተርእዮታት ድማ ኣብ ሩስያ፡ ማከላይ ምብራቕን ሱዳንን ምንባሩ ኣመልኪቱ።

እዚ ካብ 1974 ኣትሒዙ ዓመታዊ ዝወጽእ ጸብጻብ ሃገራት፡ በቲ ኣህጉራዊ መለክዒታት ከም ኣዋጅ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝዕቀን ኰይኑ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብመንገዲ መሻርክቱ ኣካላትን ልኡኻቱ ኤምባሲታት ሃገራትን ኣቢሉ ዝእክቦ’ዩ። እዚ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት፡ ንኣስታት 200 ዝበጽሓ ሃገራትን ርእሰ-ምምሕዳራትን ዝሓቍፍ’ዩ።

ኣብቲ ንኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ዓመተ፡2023፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ (ብቐንዱ ክልል ትግራይ) ዝነበረን ሰፋሕቲ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ዝተፈጸመሉ ኲናትን ብሰላም እኳ እንተ ዓረፈ፡ እቲ ግጭት ናብ ክልል ኣምሓራ ብምልሓሙን ኣብ ክልል ኦሮሚያ’ውን ተደጋጋሚ ጎንጽታት ብምቕጻሉን ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ኣሰካፊ ዝብሃል ተርእዮታት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ምንባሩ ገምጊሙ።

ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከም ዝሕብሮ፡ ብሕልፊ መንግስቲ ንሚሊሻ ፋኖ ብረቶም ንምፍታሕ ብዝወሰዶ ተበግሶ፡ ካብ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ እቲ ጎንጺን ተሓታትነት ዘይብሉ ቅትለት ሲቪላውያን ዜጋታትን ብሰፊሑ ምርኣዩ ጠቒሱ። ኣብቲ ዝርአ ዓበይቲ ገበናት፡ መንግስቲ ኣብ ገሊኡ ተሳታፊ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ንምዕራፉ ዝዀነ ስጕምቲ ስለ ዘይወሰደ ድማ ከኣ እቲ ጥሕሰት ከም ዝዓበየ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ከም ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ንዘለዉ ፈጸምቲ በደል ዝቐጽዕ እኳ እንተዀነ፡ እቶም ኣብ ዝለዓለ መሳልል ስልጣን ዝርከቡ ግን ንምእራም ዝገብሮ ስጕምቲ ከም ዘየሎ ከሲሱ። ብዘይካ’ዚ ዕጡቓት ጉጅለታት ከም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ሚሊሻ ፋኖን’ውን ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዜጋታት ተሓታትነት ዘይብሉ ቅትለት ከም ዝፍጽሙ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ። ካብቶም ቀንዲ ዝጠቕሶም ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ድማ ማእሰርቲ ብዘይ ፍርዲ፡ ዓፈና ፕረሰን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልን፡ ጥሕሰት መሰል እምነት፡ ምድራት መሰል ምንቅስቓስ፡ ጃምላዊ ማእሰርቲን ወዘተን ኢዮም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብተደጋጋሚ ስግረ-ዶባዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፍጽም’ውን ሓቢሩ ኣሎ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝጠቕሶ፡ ብዘይካ’ቲ ብሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝበሎ ጥሕሰታት፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ልዕሊ ዝገብሮ ዓፋና፡ ንስድራቤታት ኣብ ደገ ዝርከቡ ዝገብሮ ናይ ምጽቃጥን ምዕፋንን ተግባራት’ውን ኣዝዩ ኣሰካፊ ምዃኑ ይሕብር።

መንግስቲ ኤርትራ ንኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ንምምሕያሽ ዝወስዶ ስጕምቲ ብዘይምህላዉን ንፈጸምቲ በደል ዝግበኦም መቕጻዕቲ ንምርካብ ስለ ዘይሰርሕን ድማ እቲ ተርእዮ ሰንሰለታዊን ኣመና ኣሻቓሊን ምዃኑ ናይ ዓመተ 2023 ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG