ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገጣሚ ኣብ ስደት -- ሃይለ ቢዘን


ገጣሚ ኣብ ስደት -- ሃይለ ቢዘን
please wait

No media source currently available

0:00 0:28:59 0:00

ገጣሚ ኣብ ስደት -- ሃይለ ቢዘን

ገጣሚ፡ ኣርታዒ፡ ጋዜጠኛን ጸሓፊ ሓጸርቲ ዛንታታን ሃይለ ቢዘን፡ ኣብቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝኸይድ ኣዝዩ ንጡፍ ናይ ስነ-ጽሑፍ ህይወቱ፡ እንተስ ብግጥምታቱ ወይ ድማ ንሱ ዝመርሖም ተበግሶታት ኣብ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ፡ ብሕልፊ ድማ ናይ ኤርትራ፡ ተራኡ ጉሉሕ’ዩ።

ኣብ በበይኑ እዋን፡ ከም ኣባል መመዪት ሽማግለ ስነ-ጽሑፍ ራይሞክ፡ ዋና ኣርታዒ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ መጽሔት ሕውየት፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ዓመታዊ ውድድር ሓጺር ዛንታታት፡ ድሒሩ ድማ ፕረዚደንት ማሕበር ጸሓፍቲን ጋዜጠኛታትን ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት ኮይኑ ሰሪሑ።

ኣብ መወዳእታ ሰማንያታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብስነ-ልቦናን ስነ-ጽሑፍን ዝተመረቐ ሃይለ፡ ካብ ኤርትራ ኣብ 2009 ንስደት ድሕሪ ምምራሑ ሕጂ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ይነብር ኣሎ። ሃይለ ኣብ ስደተ ምስ ኣምረሐ’ውን ኣብ ብዙሓት መድረኻትን እኩብ ስራሓትን ኣበርክቶ ገይሩን ይገብር ኣሎን።

ሃይለ በብእዋኑ ኣብ ሓያሎ ዛዕባታት ኣመልኪቱ ገጢሙ’ዩ። ግጥምታቱ፡ በቲ ቀንዲ መመልዪኡ ዝዀነ ቅርጡውነት ኣጠቓቕማ ቃላቱን ዕምቆት ርእየታቱን ዝያዳ ይልለዩ። ነቲ ቃልሲ ንናጽነት ዝነበረ ሰውራ ድማ ናብ ሓደ ቅዱስ ዕላማ ኣብ ዝለዓለ ሰገነት ኣንቢሩ፡ ብመገዲ ግጥምታቱን ጽሑፋትን ዘልኣለማውነት ከም ዝለብስን ብቐሊሉ ከም ዘይለዓልን ገይሩዎ’ዩ። ኣብ ስራሓቱ ግን ንወታሃራዊ ዓወታት ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣንጻር ወገን ብዝወረደ ዕንወት ኣየጕልሕን። ቀንዲ ኣተኵሮኡስ ኣብ ሰባዊ ስምዒት እቶም ተሳተፍቱን ኣብ ዕላማ ዘሎ ኵልትናዊ መስዋእቲን ዘርእዩ’ዮም።

***

ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጻእን ንስደት ምስ ኣምርሐን፡ ሃይለ ሕጂ’ውን ኣብ ግጥምታቱ ምስ ኣደኡ፡ ዓዱን እታ ተወሊዱ ዝዓበየላን ኣስመራ ዘለዎ ናፍቖት ምትእስሳርን መሊሱ’ዩ ዓብዩ። ነቲ ጽምዋን ቀዘማን ዝዓብለሎ ናብራ ስደቱ ድማ ንኣሽቱ ብዝመስሉ፡ ግን ከኣ ተላጊቦም ዝዓበየ ምስሊ ብዝህቡ ኣጋጣሚታት’ዩ ዝገልጾም። መብዛሕትኡ ካብኡ ብኣዲኡ’ዩ ዝውክሎም።

ናይ ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ናይ ትግርኛ ተመራማሪ ዝዀነ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ፡ ነዛ “ንበል ኮይነ ኣለኹ” እትብል እክብቲ ናይ ግጥምታት መጽሓፍ ብኸምዚ ይገልጻ፤

“ኣብዛ መጽሓፍ፡ ገጣሚ ሃይለ ቢዘን፡ ነቶም ናይ ሕብረተብ ግፉዓትን ሕቡኣን-ዝመስሉ ጠባያትን ድምጺ ብምሃብ፡ ኣዝዪ ዘሰንብድን ዘሕዝንን ስእሊ የቕርብ። እንተዀነ፡ እዞም ግጥምታት ነቲ መዓልታዊ ህይወት ገጣሚን፡ ንቃልሲ ናይቶም ንሱ ዝፈጠሮም ኣብ መንጎ ተስፋን ሰቖቛን ዝነብሩ ጠባያትን፡ ብግቡእ ዘንጸባርቑ ንዕናን ውሕሉ ቅንየታዊ ጥበብ ገጣምን ብግሉህ ዘርእዩ ኢዮም። ብዓይኒ ስነጽሑፋዊ ታሪኽ እንተጠሚትካዮ ድማ፡ ሃይለ ቢዘን፡ ነቲ ኣብ ስነጽሑፍ ኤርትራ ልሙድ ዘይኰነ፡ካፍካዊ ቅዲወይ “Kafkaesque style” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅነያታዊ ቅዲ ተጠቒሙ ነቲ ንሰማዕቱን ርኣይቱን ዘባህርር ህልዊ ክውንነት ኤርትራ ምግላጹ፡ ነታ መጽሓፍ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጽሑፍ ሓዲሽ ምዕራፍ ዝኸፈተት መርኣያ ስራሕ ይገብራ።”

ገጣሚ ሃይለ ቢዘን፡ ገና ኣብ ኤርትራ እንከሎን ድሕሪ ስደቱን፡ ኣብ ቅርጺን ኣሰራርዓን ግጥሚ ትግርኛ ክልውጥን ቀጻሊ ፈተናታት ክገብርን ይርአ’ዩ። ኣብ ፈተነታቱ ድፍረት’ውን ሓዊሱ ስለ ዝገብሮ ድማ ኣብ ገሊኡ ንኣንባቢ ግር ክብሎ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ኣብ ዝበዝሐ ተኸታታሊ ቅቡል ቅዲ ኮይኑ ክቕጽል ግዜ ዝወስድ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG