ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-ምልልስ ምስ ዳይረክተር ባንኪ ዓለም ጨንፈር ኢትዮዽያ


World Bank
World Bank
ባንኪ ዓለም ንኢትዮዽያ ዝፈቀደላ 1.15 ቢልዮን ዶላር ኣብ ክልተ ተመቂሉ ዝልቀቀላን፣እቲ ቀዳማይ 600 ሚልዮን ዶላር ኣብ መላእ‘ታ ሃገር መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና፣ትምህርትን መጓዓዝያን ንምጥንኻር ክውዕል፣እቲ ዝተረፈ 450 ሚልዮን ዶላር ድማ መንግስቲ ንዝሰርሖም ፕሮጀክታት ፅርግያን ንባዓል-ስልጣን ጎደናታት‘ታ ሃገርን ዓቅሚ ንምሕያልን ከምዝምደብ ተገሊፁ‘ሎ።

ንመንግስቲ ኢትዮዽያ ኣጓኒፎምዎ ዘለው ፈተናታት ይብሉ ሚስተር ግዋንግ ቼን፣ጉድለት ዓቅሚ፣ ፀገም ውሕሉል ኣጠቃቅማ ማክሮኢኮኖሚክ፣ዘተኣማምን ተሳትፎ ሰብ ውልቀ-ሃብቲ ኣብ ቁጠባ ኢትዮዽያ ምኻኖም ጠቂሶም።

ኣብ ጉዳይ መደብ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ክንዲ ምስሕሓብ፣ ኣብ‘ቶም ዘረዳድኡና መደባት ተሓጋጊዝና ንምስራሕ ኢና ንመርፅ‘ውን ኢሎም።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:12 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG