ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንደባይ ተዋጋእቲ ሶርያ ከዕጥቅ‘የ ትብል


ደባይ ተዋጋእቲ ሶርያ
ደባይ ተዋጋእቲ ሶርያ
ዓለም-ለኸ ነቀፌታን ደገፍን ኣብ ዘስዐበሉ እዋን፣መንግስቲ ሶርያ ኬሚካላዊ ኣፅዋር ከምዝተጠቀመ ርጡብ መርተዖ ረኺበ‘የ ዝበለት ኣሜሪካ፣ንደባይ ተዋጋእቲ ሶርያ ኣፅዋር ክተዕጥቅ ምኻና ኣፍሊጣ።

ምስ ኣባሃህላ ፕረዚደንት ኦባማ ዝቃዶ መግለፂ ዝሃበ ዋይት ሃውስ፣ ምጥቃም ኬሚካላዊ ኣፅዋር፣እቲ ዘይስገር ቀይሕ መስመር ስለዝነበረ፣ ኣሜሪካ ኣብ‘ቲ ግጭት ጣልቃ ንክትኣቱ ደሪኹዋ‘ሎ ይብል።

ኣስታት ክልተ ዓመታት ዝዘለቀ ውግእ ሕድ-ሕድ ሶርያ፣ዛጊድ ቴስዓ ሽሕ ህይወት በሊዑ‘ሎ ይብል ፀብፃብ ሕ/ሃ።
XS
SM
MD
LG