ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩናይትድ ስቴትስ ንዝኾነ ይኹን ኬንያዊ ሕፁይ ኣቐዲማ ኣይትድግፍን እያ ኢሎም ሓደ ብዓልስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ


Johnnie Carson
Johnnie Carson
ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ንዝኾነ ይኹን ሕፁይ ኣቐዲማ ደገፋ ኣይተረጋግፅን እያ ክብሉ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ገሊፆም።ናይ ኬንያዊያን ምርጫ ሳዕቤናት ከምዝህልዎ ግን ኣጠንቂቖም ኣለው።እቲ ምርጫ ነፃን ሰላማውን ንክኸውን ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ቀጥታዊ መፀዋዕታ ድሕሪ ምቕራቦም እዩ እዚ ዝውሃብ ዘሎ ሪኢቶ።

ተሓባባሪ ምኽትል ምንስቴር ጉዳያት ወፅኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጆኒ ካርሰን ብቴለፎን ኣቢሎም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኬንያ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ መጋቢት እተካይዶ ሓፈሻዊ ምርጫ ናይ ኬንያ ዴሞክራሲ ኣገዳስነት ንዓለም እተርአየሉ ፅቡቕ ዕድል ክኸውን እዩ ኢሎም።

ኣብ 2007 ኣ/ፈ ኣብዝተኻየደ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ስዒቡ ኣብ መንጎ ዓሌታት ብዝተኻየደ ውግእ ገበናት ፈፂሞም ብዝብል ብዓለምለኸ መጋባእያ ገበን /ICC/ ዝተኸሰሱ ክልተ ፖለቲከኛታት ብዝምልከት መርገፂ ሃገሮም ንኽገልፁ ብተደጋጋሚ ዝተሓተቱ ካርሰን ምርጫታት ሳዕቤናት ከምዘለዎም ምስገለፁ ‘’ኣብዝተኣሳሰረት ዓለም ንነብር ስለዘና ናይ ስባት ምርጫ ኣብ ሃገሮም፣ኣብቲ ዞባ፣ኣብ ቁጠባ፣ኣብ ማሕበረሰብን ኣብ ዝነብሩላ ዓለምን ብዛዕባ ዝህልዎ ፅልዋ ክሓስቡ ኣለዎም።’’

ፕሬዝዳንታዊ ሕፁይ ኡሁሩ ኬንያታን መነሓንሕቶም ዊሊያም ሩቶን ክልቲኦም ብICC ተኸሲሶም ኣብ ዘሄግ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እዮም።ልዕሊ ሓደ ሽሕ ህይወት ሰባት ምስ ዘጥፍአን ንልዕሎ 300 ሽሕ ሰባት ምስ ዘፈናቐለን ህውከት ብዝተኣሳሰረ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበናት ፈፂሞም ብዝብል ተኸሲሶም ኣለው።

እቶም ክልተ ብICC ዝተጠርጠሩ ፖለቲከኛታት ኣብ ምርጫ ንኽሳተፉ ናይታ ሃገር ነፃ ቦርድ ምርጫ ፈቒዱሎም ኣሎ።ምስ ቅንዕና እቶም መራሕቲ ሃገር ብዝተኣሳሰረ ምውድዳሮም ንናይታ ሃገር ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ እንተኾይኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ዝቕፅል ሰሙን ውሳነ ክህብ እዩ።

እቶም ብICC ዝተጠርጠሩ ኣብ ምርጫ ምስታፎም ምስ ዩናይትድ ስቴትስ ክህሊ ብዛዕባ ዝኽእል ርክብን ሳዕቤኑን እንተተሓተቱ እውን ካርሰን ዝበልዎ የለን።

መራሕቲ ኬንያ ኣብዝሓለፈ ይኹን ሕዚ ምስ ምርጫ ተኣሳሲሩ ብዝፍፅምዎ ገበን ተሓተቲ ክኾኑ ኣለዎም ግን ኢሎም። ካርሰን ነዚ ሪኢቶ ዝህቡ ዘለው ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኬንያዊያን ነፃን ሚዛናዊያን ምርጫ ንኸካይዱ ብቛንቛ ስዋህሊ ኣቢሎም ናይ ቪዲዮ መለእኽቲ ምስኣሕለፉ እዩ።

ንኬንያ መን ይምርሓያ ዝብል ንህዝቢ ኬንያ ዝምልከት እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዝዳንት ንፕሬዝዳንትነት መን ይወዳደር ዩናይትድ ስቴትስ ኣቐዲማ ኣይክትውስንን እያ ንናይቲ ህዝቢ ድልየት ዘንፀባርቕ ሰላማዊ ምርጫ ክካየድ ግን ክንድግፍ ኢና ኢሎም።
ኬንያዊያን ምርጫ ስዒቡ ንዝልዓል ምስሕሓብ ናብ ጎደናታት ብምውፃእ ከይኮነስ ብቤት ፍርዲ ንኽፈትሑዎ ፕሬዝዳንት ኦባማ ፀዊዖምም።
XS
SM
MD
LG