ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት `ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ተኸልኪለ` ትብል


ሸይላ ኪቲሩት
ሸይላ ኪቲሩት
ሸይላ ኪቲሩት፡ “ንሃናጺ ልዝብ ማዕጾ ክኸፍት`የ ደልየ፡ ዘለኒ ሕቶታት ናብ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከቕርብ`ሞ ካብኡ ክጅምር`ዩ ድልየተይ፡ ብወገኖም ዘሎ ርእይቶ ክሰምዕ እደሊ`የ” ትብል።

ብመሰረት ብሕቡራት ዝተዋህበኒ ሓላፍነት፡ ንኹሎም ዝምልከቶም፡ እንተላይ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዉ ሰደተኛታት ከዘራርብ`የ ዝበለት ፍልይቲ ጸብጻቢት፡ ዛጊት ነቲ ናይ ምእታው ሕቶ ዝተቐበለት ሃገር እንተሃልያ ክትጠቅስ ኣይከኣለትን።

ቅድሚ ሎሚ ተመሳሳሊ ሕቶ ዝቐረበሎም ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ “ምእታው ዝኸላእናዮም ኣቕዲሙ ተጻሒፉ ዝተወደአ ሪፖርት ሒዞምልና ስለዝመጹ`ዩ” ምባሎም ይጥቀስ። እታ ራፖርተር ግን “ዛጊት ዝፀሓፍክዎ ሪፖርት የለን፡ ኣነ ናተይ`የ ዝፈልጥ፡ ርእይቶ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ሰሚዐ ክጽሕፍ`የ ዝደሊ “ ትብል።

ምስ ሸይላ ኪቲሩት ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:17 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG