ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስታት እንግሊዝ፡ ኖርወይን ዩናይትድ ስቴትስን፡ ናብ ኢትዮጵያ ንዝገሹ ዜጋታተን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፈን


ብሰንኪ`ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኽልል ኦሮሚያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኸባቢ ከተማ ሻሸመኔ ዝተፈጥረን ህይወት ዝጥፍኤን ግጭት፡ ኖርወይን፡ እንግሊዝን ኣመሪካን ንዜጋታተን ናይ መገሻ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፈን ኣለዋ።እዘን ሃገራት በተወሳኺ ዜጋታተን ፍሉይ ጥንቃቐ ክገብሩን፡ ሓዲሽ ምዕባለታት ክከታተሉን መኺረን ኣለዋ።

ኣብ ምስ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያን ሶማልን ኣብ ዘዳውብ ኸባብታት`ውን ከይንቀሳቐሱ መኺረን ኣለዋ።

ነቲ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ዞባ ኣርሲ ኣብ ከተማታት ሻሸመኔን ኣጀን ዝተፈጥረ ግጭት ዝጠቐሰ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣመሪካውያን ኣብዚ ሰዓት`ዚ ናብዘን ቦታታ ገጾም ከይንቀሳቐሱ ምዒዱ`ሎ።

ሚኒስትር ኮሚንኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንተሌቪጅን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብጣዕሚ ዝተወደቡን ዝተዓጠቁን ኣጥቃዕቲ ንሰራዊት ምክልኻል ከምዘጥቅዑ ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG