ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`መንግስቲ ጣልያን ንሬሳታት ኣጻፊፉ ምስ ወደአ ከምዘረክበና ብወግዒ ኣፍሊጡና`ሎ ` ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ


Ambassador Zemede Tekle-Italy
Ambassador Zemede Tekle-Italy

መንግስቲ ጣልያን ነቶም ሬሳታት ብቐጥታ ንቤተሰቦም ጥራይ`የ ዘርክብ ኢሉ ዝተባህለ ሓቂ ከምዘይኮነ`ውን ገሊጹ

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ቪኦኤ ዝቐረቡ ተሓላቒ ስደተኛታት ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ መንግስቲ ጣልያን ነቲ ሬሳታት ንመንግስቲ ኤርትራ ዘይኮነስ ንስድራቤታት ብቐጥታ ከረክቦም ከምዝወሰነ ገሊጾም ኔሮም።

ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ግን፡ እቲ ናይ ምልላይ ስራሕ ምስተጻፈፈ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ሬሳታት ተቐቢሉ ንቤተሰቦም ከረክብ ወግዓዊ መረጋገጺ ከምዝተዋህቦም ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ዛጊድ ብሰበስልጣን ኢጣልያ ዝተቐብረ ሬሳ ከምዘየለ፡ እቲ ሬሳታ ንመጽንሒ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ፍሉይ ቦታ ተቐሚጡ ከምዘሎ`ውን ካብ ሰበስልጣን ጣልያን መረጋገጺ ከምዝተዋህቦም ኣምባሳደር ዘመደ ንቪኦኤ ሓቢሩ`ሎ።
Ambassador Zemede Tekle
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:22 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG