ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድጊታት ፓልሜራ ብጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ይዓኑ'ሎ


ታሪኻዊ ቅርሲታት ፖልሜራ
ታሪኻዊ ቅርሲታት ፖልሜራ

ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ንታሪኻዊ ስፍራታት ፓልሜራ የጥፈኦ ከምዘሎ፣ ሓላፊ ጥንታዊ ቅርስታት ሶርያ ገሊፆም።

ሚስተር ማሙን ዓብዱልከሪም ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ እቶም ምልሻታት 103 ዓመተ-ዓለም (ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ) ንዝተሰርሑ ሰለስተ ስፍራታት መካነ መቃብር ኣፍሪሶምዎ ኢሎም።

ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ እስላማዊ መንግስቲ፣ ኣብ እዋን ዘበነ-ሮማዊያን ንዝተሃነፁ ኣብያተ-ኣምልኮ ንቤተ-መቅደስ ቤል ሓዊሱ ከምዘዕነው ዝዝከር’ዩ።

ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ መግለፂ ዘውፀአ ዩኔስኮ፣ ተግባር’ቲ ፈጠራ ራዕዲ ኣብ ፓልሜራ ‘ኣብ ልዕሊ ስልጣነ ዝተፈፀመ ዘይትፃወሮ ገበን’ ኢሉ ምግላፁ ዝዝከር’ዩ።

ጉጅለ እስላማዊያን ግና እዞም ይዝረበሎም ዘሎ ቅርስታትን ሕድግታትን፣ ኣምልኮ ጣኦት ዘስዕቡ’ዮም ይብል።

ብዩኔስኮ ዝተመዝገበት ፓልሜራ፣ ኣብ እዋን ዘበነ ሮማዊያን - ናብ ህንዲ፣ ቻይናን ፐርሽያን ቀንዲ መተሓላለፊት ከተማ’ያ ነይራ።

XS
SM
MD
LG