ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ተቃውሞ ዝወጹ ተማሃሮ ሕቶታትና ከይተመለሰ ትምህርቲ ኣይንጅምርን ኢሎም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ትርከብ ከተማ ወሊሶ ተማሃሮ ክሳብ ትማሊ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ብምክያድ ሕቶታት ከምዘቅረቡ ነበርቲ ሓቢሮም።

ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ዘዘራረቦም ተማሃሮ ሕቶታቶም ዝተአሰሩ ይፈትሑ፡ ዝተቐትሉ ይክሓሱ፡ ወታሃደራት ካብ ከተማታትን ኣብያተ ትምህርትን ይውጽኡ ዝብሉ ምኳኖም ነዚ ብጭርሖ ከምዘስምዑ ገሊጾም።

እቶም ተማሃሮ ሕቶታቶም መልሲ ክሳብ ዝረኽብ ትምህርቲ ከምዘይጅምሩ'ውን ብተወሳኺ ሓቢሮም'ዮም።

ሰልፊ ዝወጹ ተማሃሮ ተሃሪሞም ዘንብዕ ትኪ ተነጺግዎም ዝተአሰሩ'ውን ኣለው ክብሉ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም'ለው።

'ካብ ሶሉስ ጀሚሮም ክሳብ ትማሊ ሓሙስ ወጺኦም ሕቶታት ንዘስምዑ ተማሃሮ አኪቦም ኮፍ ክብሉ ምስ አዘዝዎም ዘንብዕ ትኪ ነጺጎምሎም ድሕሪኡ እናሃረሙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶሞም ክሳብ ምሸት ተኹሲ ይስማዕ ኔሩ። ንሕና'ውን ተሓቢእና ኢና ዘለና' ይብሉ።

ንሰበ-ስልጣን'ቲ ከባቢ ንምዝርራብ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየዶ ፈተና ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG