ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ኣፍጋኒስታን እነካይዶ ኵናት ዝቕፅል ዓመት ከብቅዕ እዩ ኢሎም

U.S. House Speaker John Boehner (R-OH) and Vice President Joe Biden (L) stand to applaud as President Barack Obama delivers his State of the Union speech on Capitol Hill in Washington, February 12, 2013. REUTERS/Charles Dharapak/Pool (UNITED STATES - Tags

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ዝርከቡ ሓይልታት ፍርቆም ልክዕ ከም ሎሚ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ካብታ ሃገር ከምዝወፁ ትማሊ ምሸት ንኽልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ኣብዘስምዕዎ መደረ ኣፍሊጦም።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ዝቕፅል ዓመት 34 ሽሕ ወታደራት ናብ ሃገሮም ክምለሱን ኣብ ኣፍጋኒስታን እነካይዶ ኵናት ከብቅዕን እዩ ኢሎም።እዚ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ መወዳእታ 2014 ኣ/ፈ ኩሎም ተወጋእቲ ሓይልታት ካብታ ሃገር ንምስሓብ ኣካል ዝሓዘቶ ትልሚ እዩ።

ዩናይትድ ስቴትስ ንሓይልታት ኣፍጋኒስታን ምስልጣንን ኣብ ሙሉእ ዓለም ኣብ ፀረ ግብረ ሽበራ እተካይዶም ፃዕርታትን ከምዝቕፅል ገሊፆም ኣለው።

እቲ ናይ ትማሊ ምሸት ሓምሻይ ዓመታዊ መደረ እንትኸውን ኻልኣይ ናይ ስልጣን ዘመን ካብ ዝጅምሩ ድማ ንፈለማ ግዜ እዩ።

ቀንዲ ጠመተ መደርኦም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኢኮኖሚ ንምሕያል ዘለዎም ትልሚ ዝሕብር እዩ። ‘’ዘድልየና ዓብዪ መንግስቲ ከይኮነስ ቀዳምነት ንዝውሃቦም ብቕደም ስዓብ ዝሰርዕን ኣብ ሰፊሕ መሰረት ዝምውልን ውሕሉል መንግስቲ እዩ።’’

ንሪፓብሊካዊ ፓርቲ ብምውካል መልሲ ዝሃቡ ናይ ፍሎሪዳ ሰኔተር ማርኮ ሩቢዮ ናይ ኦባማ ናይ ኢኮኖሚ ትልሚ ኣዝዩ ኣብ ናይ መንግስቲ ወፃኢ ዝተመስረተ እዩ ኢሎም።

ኣብ ፖሊሲ ወፃኢ እቶም ፕሬዝዳንት ትማሊ ሰሉስ ፈተነ ኒኩሌር ንዘካየደት ሰሜን ኮሪያ ብምጥንቃቕ ኢራን ኒኩሌር ንኸይትዕጠቕ ዩናይትድ ስቴትስን መሻርኽታን ዘድሊ እዩ ዝበልዎ ከምዝሰርሓ ፕሬዝዳንት ኦባማ ሓቢሮም።

ንናይ እስራኤል ፀጥታን ንናይቲ ዞባ ሰላምን ንምድጋፍ ኣብዝቕፅል ወርሒ መጋቢት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዑደት ከምዝፍፅሙ’ውን ኣፍሊጦም ኣለው።
XS
SM
MD
LG