ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ሞት ዝተበየና መርየም ኢብራሂም ዓዲ ጣልያን ኣትያ


መርየም ኢብራሂም
መርየም ኢብራሂም

ኣብ ሱዳን ንክርስትና ኣይክሕድን ስለዝበለት ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየና መርየም ያሕያ ምስ ቤተ-ሰባ ዓዲ ጣልያን ኣትያ።

መርየም ያሕያ ኢብራሂም ምስ ባዓል ቤታን ክልተ ደቃን ሎሚ ሓሙስ‘ዮም ኣብ ሮም ኣትዮም።ሽዑ ንሽዑ ምስ ርእሰ-ሊቃነ-ዻዻሳት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ፍራንሲስ ተራኺቦም።እቶም ርእሰ-ዻዻሳት፣ ንእምነትን ትብዓትን መርየም ኣሞጊሶም ይብሉ ወሃቢ ቃል ቫቲካን ፍሬድሪኮ ሎምባርዲ።

ጣልያንን ኣሜሪካን ኣብ ምፍታሕ መርየም ተሓጋጊዞም‘ዮም።ምክትል ምንስትር ወፃኢ‘ታ ሃገር‘ውን ምስኣ ሓቢሮም በታ ነፋሪት ተጓዒዞም‘ለው።

ቀ/ሚ ማቲኦ ረንዚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ንቤተ-ሰብ መርየም ተቀቢሎምዎም።መዓልቲ ታሕጓስ‘ያ እዛ ዕለት‘ዚኣ‘ውን ኢሎም።

እቶም ኣባላት ስድራ-ቤት ኣብ ውሽጢ መዓልታት ናብ ኣሜሪካ ክብገሱ ምኳኖም ሰበ-ስልጣን ጣልያን ኣፍሊጦም‘ለው።

XS
SM
MD
LG