ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊያን ኣይሁዳዊያን ምስ ፖሊስ እስራኤል ተጋጪዮም


’’ፀሊም ኣይሁዳዊያን’’ ብዝብል ሽም ዝፅውዑ እስራኤላዊያን ኢትዮጵያዊያን ትማሊ ሓሙስ ምስ ፖሊስ እስራኤል ተራፂሞም።ሰልፈኛታትን ፖሊስን ዝርከቡዎም እንተወሓደ 13 ሰባት ቖሲሎም ኣለው።

ኣማእቲ ኢትዮጵያዊያን ኣዩሁዳዊያን ፀረ ዘርኣውነት ብዝበሉዎ ተቓውሞ እዮም ምስ ፖልሲ እስራኤል ዝተጋጨዩ።ሰልፈኛታት ዶንጎላን ጠራሙዝን ደርቢዮም ፖሊስ ብወገኑ ብማይን ብስታን ግርኒየድን /ሓያል ብልጭታን ድምፅን ብዘለዎ መሳርሒ/ መሊሶምሎም ኣለው።

ፖሊስ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ኣይሁዳዊ ዝኾነ ወታደር እስራኤል እናወቕዑዎ ዘርኢ ቪዲዮ ምስተዘርግሐ እዩ እቲ ተቓውሞ ተላዒሉ።ተቓወምቲ ነቲ ስጉምቲ ምኽንያት ኣልቦ ዘርኣውነት እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለው።ሰልፈኛታት ‘’ጭካነ ፖሊስ ይኣክል’’፣’’ፖሊስ ክብሪ የብሉን’’ ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም እዮም ወፂኦም።

ኒና ታማኖ-ሻታ ኣባል ኪነሴት /ፓርላማ እስራኤል ማለት እዩ/ ዝነበራ መሪሕ ኣባል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያዊያን ኣዩሁዳዊያን እየን።

ንሰን ፖሊስ ብምስምስ ሕብሪ ቆርበት ንሰባት ክወቅዕ፣ንከንከላብትን ዘርኣዊ ኣድልዎ ክፍፅምን ተቐባልነት የብሉን ኢለን።

ኣብ እስራኤል ኣስታት 120 ሽሕ ኢትዮጵያዊያን ኣይሁዳዊይን ይነብሩ። ኢትዮጵያዊያን ብምኽንያት ባህሊ ምስ ማሕበረሰብ እስራኤል ተዋሂዶም ንምባር ይፀገሙ ኣለው ዝብሉ እንተሃለው እውን መብዛሕቲኦም ግን እቲ ጉዳይ ናይ ባህሊ ከይኮነስ ጉዳይ ዘርኣውነት እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

‘’በዚ ኣገባብ ምንባር ኣፀጋሚ እዩ’’ይብል ካብቶም ተቓወምቲ ሓደ ቫንዳ ኤሊ።ውላዱ ናብ ጎደና ንምውፃእ ከምዝፈርሕ እውን ወሲኹ ይገልፅ።

ቀዳማይ ምንስቴር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታኛሁ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊ ወታደር ዝፈፀሞ መውቃዕቲ ብትሪ ብምኹናን ምርግጋእ ክዓስል ተማሕፂኖም ኣለው።ፈፀምቱ ናብ ፍርዲ ከምዝቐርቡ እውን ቃል ኣትዮም።ቀዳማይ ምንስቴር ቤንጃምን ኔታኛሁ ብምውሳኽ ኢትዮጵያዊያን ማሕበረሰብ ንእስራኤል ክቡራት እዮም ክብሉ ብምግላፅ እታ ሃገር ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝገብሩዎ ምውህሃድ ቀሊል ክኸውን ዓበይቲ ፃዕርታት እናገበረት እያ ኢሎምም።

XS
SM
MD
LG