ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጋድ ካብ ኣኼብኡ ንኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣባሪሩ


ማሕቡብ ማዓሊም፣ዋና ፀሓፊ ኢጋድ
ማሕቡብ ማዓሊም፣ዋና ፀሓፊ ኢጋድ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ዝተሳለጠ ኣኼባ ምንስቲራት ኣባል ሃገራት ኢጋድ፣ንወካሊ ኤርትራ ካብ‘ቲ ኣኼባ ድሕሪ ምውፃእ ቀፂሉ፣ንጉዳይ ሶማልያን ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃን መኺሩ ሓባራዊ መግለፂ ብምውፃእ ተዛዚሙ።በትረ ስልጣን ንዋና ፀሓፊ ኢጋድ ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ መደብ ኣሎ።

ቅድሚ 15 ዓመታት ብሸውዓተ ሃገራት ዝተመስረተ በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኤርትራ ብድልየታ ኣባልነታ ስለዘቋረፀት ሽዱሽተ ሃገራት ማለት ጂቡቲ፣ኢትዮዽያ፣ኬንያ፣ሶኣልያ፣ሱዳንን ኡጋንዳን ሓቊፉ‘ሎ።ደቡብ ሱዳን ንኣባልነት ሕቶ ኣቅሪባ‘ላ።

ኤርትራ ኣብ‘ዚ ቀረባ እቲ ዘደስከለቶ ኣባልነት ኣቋሪፃ ናብ ቦታኣ ክትምለስ ሓቲታ‘ላ።ሴክረተሪ‘ቲ ዞባዊ ውዳበ ማሕቡብ ማዓሊም‘ውን ሰናይ ኢሎም ተቀቢሎም ናብ ኣኼባ መራሕቲ ኣቅሪቦም ከምዘፅድቁዎ ገሊፆም‘ዮም።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኤርትራ ኣባል ኢጋድ ድያ ዝብል ግልፂን ሓፂርን ሕቶ ኣቅሪብናሎም ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ማሕቡብ ማዓሊም ክዛረቡ ከለው ” ኤርትራ ብድልየታ ካብ ኣባልነት ንርእሳ ዘደስከለት ሃገር‘ያ” ኢሎም።

ኢጋድ ክልተ ኣጀንዳታት ሒዙ ንምንስቲራት ኣባል ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዓዲሙ ከመያይጥ መደብ ነይሩዎ።ኣብ‘ቲ ኣኼባ ንክሳተፉ ካብ ሞንጎ ዝመፁ ኣጋይሽ ሓደ፣ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣቶ ቢንያም በርሀ’ዩ።እቲ ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ክጅምር ኣይካኣለን።እንታይ ምጉታት ኣጋጠመኩም? ስለምንታ‘ዩ ንኣቶ ቢንያም ካብ‘ቲ ኣዳራሽ ንክወፅእ ዝተገብረ? ኢልናዮም ሚስተር ማሕቡብ ይምልሱ፣

”ብትኽኽል መሰረታዊ ሕቶ‘ዩ።ኣነ ባዕለይ‘የ ካብ‘ቲ መአከቢ ኣዳራሽ ንክወፅእ ሓቲተዮ።ኣቅድም ኣቢለ ከምዝገለፅኩዎ፣ኤርትራ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ዓርሰ-ምድስካል ዝመረፀት ኣባል ኢጋድ‘ያ።ሓቂ’ዩ ናብ ኣባልነት ኢጋድ ክንምለስ ኢና ዝብል ደብዳቤ ናብ ቤት ፅሕፈትና ኣቅሪቦም‘ለው።ኣነ‘ውን ናብ ኣኼባ መራሕቲ ከቅርበልኩም‘የ ኢለዮም‘ለኹ።ሕቶኦም ብመስርሕ ክሓልፍ ይግባእ።
እቲ መስርሕ‘ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ” ኢሎም።

ኣብ‘ቲ ናይ ትማሊ ዋዕላ ምንስቲራት ኢጋድ ንክሳተፍ ዘይኽእል እንተኾይኑ ስለምንታይ ወይካኣ ከመይ ገይሩ‘ዳኣ’ዩ ወካላይ ኤርትራ ናብ‘ቲ መአከቢ ኣዳራሽ ክኣቱ ተፈቂዱሉ? መንበር ክሳብ ዝሕዝ ስለምንታይ ተፀቢኹምዎ? ኢልናዮም “ዝፈልጦ ነገር የብለይን።ተመሊሰ ክሓተካ፣ ስለምንታይ ወኪል ደቡብ ሱዳን ዳኣ ናብ‘ቲ መአከቢ ኣዳራሽ ዘይኣተወ?” ይብሉ።

ኤርትራ፣ኣባልነትና ባዕልና ኢና ኣደስኪልናዮ ፀኒሕና፣ባዕልና ድማ ክነብግሶ መሰልና‘ዩ ዝብል መርገፂ ኣለዎም።ምስ‘ዚ ገምጋም‘ዚ ይሰማምዑ‘ዶ ዝብል ሕቶ ናብ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ቀሪቡ “ኣይፋሉን፣ግጉይ ኣባሃህላን ገምጋምን‘ዩ።ኢጋድ ኣባል ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣድማሳዊ ውዳበን‘ዩ። ሕስብ‘ሞ ኣብሎ፣ሓንቲ ኣባል ሃገር ኣብ ዝደለየቶ ጊዜ ወፂኣ ድሕሪ ዓመታት ትምለሰሉ መድረኽ እንተኾይኑ፣ከመይ ገይርካ ኢኻ ንማሕበር ወይ ትካል ክተማሓድር ዝካኣለካ? ሓቂ‘ዩ ባዕልቶም‘ዮም ኣባልነቶም ኣደስኪሎም።እዚ ንምፍላጥ ናይ ሮኬት ሳይንቲስት ክትከውን የብልካን” ዝብል መልሲ ሂቦም።

XS
SM
MD
LG