Tuesday, June 18, 2013 ሰዓት'ቲ ከባቢ 23:17

Horn of Africa

ገለ ዘፈራት ቁጠባ ኢትዮዽያ ንብልሽውና ዝተቃልዑ ምኻኖም ተገሊፁ

EthiopiaEthiopia
x
Ethiopia
Ethiopia
መጠን ፅሑፍ - +
ኣብ ቁጠባ ኢትዮዽያ እቶም ብናህሪ ይዓብዩ ዘለው ዘፈራት፣እማን ንብልሽውና ዝተቃልዑ ምኻኖም ሓድሽ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ።እንተኾነ ኣብ ኢትዮዽያ ዘሎ ኩነታት ብልሽውና፣ምስ ደረጃ ብልሽውና ይምዕብላ ዘለዋ ካልኦት ሃገራት ክነፃፀር ከሎ ትሑት’ዩ ይብል።

ኢትዮዽያ ምስ ካልኦት ይምዕብላ ዘለዋ ሃገራት ክነፃፀር ከሎ፣ደረጃ ብልሽውና ትሒቱ ዝራኣየላ ሃገር‘ያ ኢሉ ይንእዳ።

ከም ኢትዮዽያ ኣብ ዝኣምሰላ ማዕበልቲ ሃገራት፣ስሉጥ ምዕባለ ዘርእዩ ዘፈራት ንዕብየት ቁጠባ ወሰንቲ‘ዮም።እቲ መፅናዕቲ ን፰ ዘፈራት የጠቃልል።

ብመሰረት‘ዚ መፅናዕቲ፣ንብልሽውና ዝያዳ ዝተቃለዐ ዘፈር ቴሌኮምኒኬሽን‘ዩ። ምኽንያት፣እቲ ዘፈር ድኹም ተሓታታይነት ኣለዎ፣ከምኡውን ቴሌኮም ገባቲ ግደ ስለዝሓዘ ይብል።

ዘውፀኦ ናይ ዓሚ ደረጃ ብልሽውና ሃገራት፣ብልሽውና ኣብ ኢትዮዽያ ካብ 176 ሃገራት ኣብ መበል 113 ሰሪዑ‘ሎ።

ኣዳምፁ
Loading
12:00:00 / -:--:--
እዚ መድረኽ'ዚ ተዓፅዩ'ሎ
ሪኢቶ
     
ኣብ'ዚ ቅጥዒ'ዚ ሪኢቶ የለን።ፈላማይ ኩን።