ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኽሲ ላዕለዎት ሰበስልጣን ጉምሩክ ብስሩዕ ስነርዓት ሕጊ ክረአ ወሲኑ


Amharic Ethiopia Program Banner
Amharic Ethiopia Program Banner
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኢትዮጵያ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀደም ላዕለዎት ሰበስልጣን ጉምርክን ነጋዶን ዝመስረቶ ኽሲ ብስሩዕ ናይ ሕጊ ስነስርዓት ንኽሪኦ ወሲኑ።ንጉዳይ ኣቶ መላኩ ፈንታ ክሪኢ እንተኾይኑ ንምውሳን ግን ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።

ሎማዕንቲ ሰኒ ኣብ ዝተሰየመ መጋባእያ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ሰነድ መረዳእታታት ኣማሊኡ ምቕራቡ ገሊፁ።ናይ ኣቶ መላኩ ፈንታ ጠበቓታት ግን ኣብ ኩሎም መዛግብቲ ክማልኡ ዝግብኦም ሰነዳት ዘይተማልኡ ምዃኖም ብዝርዝር ንቤት ፍርዲ ንምቕራብ ድልዋት ምዃኖምን ሕዚ’ውን ዘይተተርጎሙ ሰነዳት ከምዘለውን ሓቢሮም።

ናይ ካልኦት ጠበቓታት እውን ንዓማዊሎም ዘይምልከቱ ሰነዳት ምቕራቦም እቲ ቤት ፍርዲ ንኽፈልጠሎም ኣመልኪቶም።እቲ ቤት ዘይተማልኡ ሰነዳት ንድሕሪ ስዓት ተማሊኦም ንክቐርቡ ኣዚዙ።

እቲ ጉዳይ ብናይታ ሃገር ስሩዕ ናይ ኽሲ ኣካይዳ ከምዝርአ ዝወሰነ እቲ ቤት ፍርዲ ኮይኑ ግን ቀዳማይ ተኸሳሲ ናይ ዝኾኑ ናይ ቀደም ናይ ግምሩክ ዳይረክተር ኣቶ መላኩ ፈንታ ኽሲ ናይ ምርኣይ ስልጣን ኣለዎዶ ኣይብሉን ንዝብል ናይ ኽልቲኦም ወገናት ኽርኽር ምስ ሰምዐ ውሳነ ንምሃብ ን11ሕዳር 2006 ዓ/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።

ናይ ቀደም ናይ ኢትዮጵያ ኣታውን ጉምትክን ዋና ዳይረክተር ሓዊሱ ካልኦት ናይቲ ቤት ፅሕፈት ሰበስልጣንን ፍሉጣት ነጋዶን ኮምሽን ስነ ምግብራን ፀረ ግዕዝይናን ብገበናት ግዕዝይና ኸሲሱዎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝውዕሉ ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለው።
XS
SM
MD
LG