ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊት ፌቨን ዮሃንስ ተዓዋቲት ውድድር ክውንነት ኮይና


House of DVF መደብ ቴሌቭዥን አብ ዝሓለፈ ሰሙን “ነታ ዝምነያ ጓል-አንስተይቲ ብኸመይ ከምዝኾንኹ” ብዝብል አርእስቲ ካብ ጥቅምቲ 1-28,2015 አብ ዘካየዶ ውድድር ኤርትራዊት ፌቨን ዮሃንስ ተዓዋቲት ኾይና’ላ።

ፌቨን ንውድድር ሒዛቶ ዝኣተወት ቴማ “ካብ ኤርትራ ንመዓስከር ስደተኛታት ሱዳን፡ንሓበን ህዝበይን ንብርትዐ አደይን ተሰኪመ ተጓዒዘ” ዝብል`ምንባሩ ትገልጽ።

እዚ መደብ ቴሌቭዥን አብ ዝካየዶ ውድድር ክውንነት (ሓቅነት) 10 ደቂ-አንስትዮ ይመርጽ። እተን ደቂ-አንስትዮ ብክልተ ዙር ውድድር ተዓዋቲት ትምረጽ። ቀዳማይ ዙር ውድድር ብደያኑ ዝውሰን ኽከውን ከሎ ካልኣይ ዙር ውድድር ግን ብድምጺ ህዝቢ’ዩ ተዓዋቲት ትፍለጥ። አብ ቀዳማይ ዙር እቲ ውድድር ደያኡ ነዚ ዝስዕብ መለኽዒታት ዘማልኣ 5 ደቂ-አንስትዮ ናብቲ ካልአይ ዙር ክሓልፋ ይመርጹ። 35% መቦቆላዊነት፡ 35% ምስ ቴማ ውድድር ዘለዋ ምትእስሳርን 30% ድማ አብ አቃውማ ይምርኮስ። አብ ካልአይ መድረኽ ዝሓለፋ ድማ ብድምጺ ህዝቢ ተዓዋቲት ትምረጽ። ተዓዋቲት ወናኒት FIAT500 X መኪና ትኸውን።

በዚ መሰረት ፌቨን ዮሃንስ ተዓዋቲት FIAT500 X ዝዓይነታ መኪና ኾይና`ላ።ፍላይ ማንታኣ ሄለና`ውን ናይ`ቲ ዓወት ብማዕረ ትቛዳሲት ኔራ፡

ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበርኦ ዕላል፡ ሓበን ህዝብኻን ሃገርካን ተሰኪምካ ምኻድ ይጸቕጣሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ንምስማዕ ይኸአል።

ኤርትራዊት ፌቨን ዮሃንስ ተዓዋቲት ውድድር ክውንነት ኮይና
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:00 0:00

XS
SM
MD
LG