ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳንኤል ተክለሃይማኖት፡ ናይ 2015 ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኾይኑ ተመሪጹ


ፈላማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ኣንበሳ ዓቐብ ኣህጉራዊ ውድድር ብሽክለታ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ኤርትራዊ ዳንኤል ተክለሃይማኖት፡ ናይ`ዚ ዓመት 2015፡ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተወዳዳራ ተባሂሉ ተመሪጹ።

ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ MTN Qubeka ዝጻወት ዳንኤል ተክለሃይማኖት፡ ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ዓለም-ለኻዊ ውድድር ቱር-ዲ ፍራንስ ኣንበሳ ዓቐብ ዘጸወዖ ማልያ ከምዝወደየ ይፍለጥ።

ኣብ`ቲ ብዙሓት ተወዳደርቲ ዝተሓጸይሉ ዝበለጸ ተወዳዳሪ ንምምራጽ ዝተኻየደ መስርሕ፡ ካልኦት ሰለስተ ኤርትራውያንን ሓደ ኢትዮጵያውን ዝተሓጸዩ ክኾኑ ኸለዉ፡ ኤርትራዊ ዳኒኤል ተክለሃይማኖት ቀዳማይ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ወዲ ጋንትኡ ሊዊስ መይንጀስ ካልኣይ ወጺኡ`ሎ።

ዳንኤል ተክለሃይማኖት ምስ ዲምጺ አሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG