ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-መጠይቕ ምስ ሓዲሽ ኣማሓዳሪ ዞባ-ደቡብ -ኤርትራ፡


Festival-Exhibition
Festival-Exhibition

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረክርስቶስ፡ ሃገራዊ ፈስቲቫል ደቀምሓረ ናብ ሓደ ሚልዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ ከምዝተሳተፎ ይገልጽ

ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ዝተኻየደ ፈላማይ ኔሩ።

እቲ ፈስቲቫል ኩለን 12 ንኡሳን ዞባታት ብንጡፍ ባህለንን መንነተን ከንጸባርቓሉን ምስ ካልኦት ብሔራት ያታታተን ክለዋወጣሉ ዝኽኣላሉን ምንባሩ`ውን ፍሉይ ይገብሮ ይብል ኣቶ ኤፍረም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ካብ ዘለዋ ኸተማታት ፡ ከተማ ደቀምሓረ ዝበዝሐ ሆቴላት ዘለዋ ምስ ምዃናን፡ ማእከል ተክኒክ ኤርትራ`ውን ካብ ኣስመራ ደቀምሓረ ዝመላለሳ ተወሰኽቲ 50 ሓደሽቲ ኣውቶቡሳት ቀሪቡ ብምንባሩ ኣጋይሽ ንምቕባል ጸገም ከምዘይነበረ`ዩ ዝገልጽ።

ብምኽንያት`ቲ ፈስቲቫል ካብ ኣስመራ ናብ ደቀምሓረ ዝወስድ ጽርግያ`ውን ከምተሓደሰ ኣቶ ኤፍረም ጠቒሱ`ሎ።

ንምሉእ ቃል-መጠይቕ ኣብ ምልክት ድምጺ ምስማዕ ይክኣል፡-
Governor-Ephrem-GK
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:43 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG