ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ዝኸዱ ሙዚቀኛታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ሓደ መድረኽ ይራኸቡ


ዘይልሙድ ውህደት ሙዚቃ ኣብ ኤርትራ ተግባራዊ ኾይኑ ይብል ካብ ኮንጎ ዝኸደ ስነ-ጥበባዊ

ኣባል ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ኣቤል ዘምህረት፡ እቲ ዕላማ ተጠቀምቲ ጸጋታት ቁሸታዊ ዓለም ንምዃን`ዩ ይብል።

ካብ ኮንጎ ዝኸደ ጊታሪስታን ድምጻውን ኮጃክ ብወገኑ፡ኣብ ባረንቱ ዝረኸብናዮ ህርመት ኣፍሪቃዊ፡ ተመሳሳሊ ስምዒትን ምንቅስቓስን ዘለዎ`ዩ ይብል።

ምስ ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን ኣብ ሓደ መድረኽ ምቕራባና ዝኸብደና መሲሉና ኔሩ፡ ድሓር ግን ጽቡቕ ተወሃሂድና ይብል ኣስዒቡ።

ኣቤል ዘምህረት ብወገኑ፡ መንነትናን ክብርታትናን ነላልየሉ መድረኽ ስለ ዝኾነ ክንቅጽሎ ኢና ኢሉ`ሎ።

እተን ናብ ኤርትራ ዝኸዳ ባንድታት ካብ ኮንጎ፡ ጊኒ ከምኡ ካብ ፈረንሳ ዝኸደ ኔርዎን።

ምስ ክልቲኦም ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል።
Eritrea-Africa-Music-Mix
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:39 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG