ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብፃዊያን ንሖሲን ሙባረክ ካብ ስልጣኖም ዘውረድሉ ካልኣይ ዓመት ይዝክሩ ኣለው


Egyptian protesters chant anti-government slogans during a rally in Tahrir Square, Cairo, Egypt, Feb. 1, 2013.
Egyptian protesters chant anti-government slogans during a rally in Tahrir Square, Cairo, Egypt, Feb. 1, 2013.
ግብፃዊያን ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ዝነበሩ ሖሲን ሙባረክ ካብ ስልጣኖም ዘውረድሉ ህዝባዊ ዓመፅ ካልኣይ ዓመት የኽብሩ ኣለው።

ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ግብፂ ብዙሕ ለውጢ ተራኢዩ እዩ።ን30 ዓመታት ዝኣክል ነታ ሃገር ዝገዝኡ ሖሲን ሙባረክ ንኽብደት ስልጣኖም ዝንቕንቕ ሓይሊ ፈፂሙ ኣይህልን ኢሎም ብዙሓት ይኣምኑ ነይሮም።

ኣብቲ ዞባ ዘለው መራሕቲ ሃገራት ንዓሰርተታት ዓመታት ብተምሳሳሊ ኣብ ስልጣኖ ዝፀንሑ እዮም።
እዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ነይሩ ን18 ማዕልታት ዝፀንሐ ህዝባዊ ዓመፅ ዝቐስቀሰ።11 ለካቲት 2011 ኣ/ፈ ሙባረክ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ እንተለው ኣብ ኣደባባይ ታሕሪርን ኣብ ሙሉእ እታ ሃገርን ዝነበሩ ተቓወምቲ ንቕድሚት ብምእማት ታሕጓስ ዝዓበየ ነይሩ።
ሎሚ እቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ተስፋ ንፋስ በኒኑ እዩ።ኣብ ጎደና ታሕሪር እናተንቀሳቐሰት ሓንቲ መንእሰይ ዋላ ሓደ ነገር ዝተለወጠ ነገር ከምዘየለን እቲ ለውጡ ሙባረክ ከይዶም ሞርሲ ምመፂኦም እዩ ትብል።

ኣደባባይ ታሕሪር ሕዚ’ውን ኣንፃር ፕሬዝዳንት ሞርሲን እስላማዊ ሕውነትን ናይ ተቓውሞ መድረኽ ኮይኑ ቐፂሉ’ሎ።ምኽንያት እቲ ተቓውሞ ምዝሕታል ቁጠባን ንምኽንያት እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዕሽሽ ብምባል ንናይ ባዕሉ ረብሓ ጠጠው ዝበለ መሪሕነት እዩ ዝብል እዩ።

ካይሮ ኣብ ዝርከብ ዪኒቨርስቲ ኣሜሪካ ምሁር ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ ዝኾኑ ሰይድ ሳዲቅ ኩነታት ኣብ ክንዲ እናተመሓየሹ እናገድዱ ከምዝኸዱ ይኣምኑ።

ዝኾነ ይኹን ህዝባዊ ለውጢ እንተተኸሲቱ መንግስቲ ድኹም ከምዝኸውን፣ቁጠባ፣ፀጥታን እቶም ፕሬዝዳንትን ድኹም ክኾኑ ባህሪያዊ እዩ ይብሉ።

ኣብ ማእኸላይ ዕደም ዝርከቡ መሓመድ ያሶ መናእሰይ መንበሪ ገዛን ስራሕን፣ትምህርትን ኣገልግሎት ጥዕናን ከምኡ’ውን ሓዳር መስሪቶም ክነብሩ ተስፋ ከምዝደልዩ ይገልፁ።ኩሉ መንእሰይ ተስፋ ኣለኒ ዝብል ስምዒት ክህልዎ ኣለዎ ይብል።

ብዙሓት መንእሰያት ቅድሚ ክልተ ዓመታት ካብቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘሕደርዎ ተስፋ ኣብ ፈተና ኣትዩ ይርከብ።
XS
SM
MD
LG