ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኦሮምያ፡ ተቓውሞ ተማሃሮ ቀጺሉ'ሎ ይብሉ ነበርቲ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ግን ናይ ሎሚ ብዓይነቱ ፍሉይ'ዩ ኢሎም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ አርሲ ካብ ቅድሚ ትማሊ ጀሚሩ ተማሃሮ ኣብ ሻሸመኔ ዝተኣሰሩ ኣሕዋትና ይፈትሑ ማስተር-ፕላን ኣዲስ ኣበባ ከምዝተባህለ ይወገድ ብዝብል ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ከምዘካየዱ ሓደ ነባሪ'ቲ ቦታ ገሊጾም።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተአሰሩ ይፈትሑ ማስተርፕላን አዲስ አበባ ከምተባህለ ይሰረዝ ዝብል ተቓውሞ ተማሃሮ ቀጺሉ'ሎ ክብሉ ነበርቲ ገሊጾም።

ብተወሳኺ እቶም ነበርቲ ሎሚ'ውን ተማሃሮ አብ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ባንዴራ ኦነግ ክሰቅሉ ተረኺቦም ብምባል ሓሙሽተ ካብኣቶም ተዓፊኖም ወሲዶሞም ኢሎም።

ኣብ ምዕራብ አርሲ ንዝተፈጥረ ግጭት ብዝምልከት ንቴሌቭዥን ኢትዮጵያ ዝተዛረቡ ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን'ታ ሃገር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብስርዓት ዝተዓጥቐ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምኽልኻል መጥቓዕቲ ፈጺሙ ኢሎም።

ብካልእ ወገን ሎሚ'ውን ኣብ ምብራቅ ሃረርጌ ከተማ ጎረዋ'ውን ተቃውሞ ቀጺሉ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ክልተ ሰባት ሞይቶም ክብሉ ነበርቲ ዝገለጹ ክኾኑ ከለው ካብ ምምሕዳር'ቲ ወረዳ ምላሽ ንምርኻብ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG