ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞት ህፅናት ንምንካይ ዝዓለመ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ


USAID
USAID
ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ዘይመልኦም ህፃውንቲ ምክልኻል ብዝክኣሉ ሕማማት ዝበፅሕ ዘሎ ሞት ምውጋድ ከምዝክኣል ምኽትል ኣማሓዳሪ ትካል ዓለምለኸ ተራድኦ ዩናይትድ ስቴትስ USAID ገሊፆም።ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝመክር ናይ ሰለስተ ማዕልታት ኣኼባ ሎሚ ኣብ ኣዱስ ኣበባ ተጀሚሩ’ሎ።

ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መአከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተጀመረ ጉባኤ መቐፀልታ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ።

ቅድሚ ሎሚ ናይዝተኻየደ ኣኼባ ዘተኣናገደ መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ወኪል ምኽትል ሓጋዚ ዳይረክተር ትካል ዓለምለኸ ተራድኦ USAID ዋዶ ዋረን ኣብዚ ናይ ሎማዕንቲ ኣኼባ ኣብዘስምዕዎ መደረ ሃገሮም ንኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ንዘፈር ጥዕና ኢትዮጵያ እናሃበቶ ዘላ ሓገዝ ኣረዲኦም።

ፈላማይ ፖሊሲ ሃገራዎ ጥዕና ካብ ዝሕንፀፅ ካብ ፍርቂ 1990ታት ኣ/ፈ ጀሚሩ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ዘፈር ጥዕና ብኣጋርነት ክሰርሓ ምፅንሐን እቶም ብዓል ስልጣን ኣዘኻኺሮም።
ማእኽል ምክልኻል ሕማማት፣ምንስቴር ምክልኻል ጥዕና፣ናይ ኣሜሪካ ናይ ሰላም ትካል/ፒስ ኮር/፣USAID ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ናይ ኣሜሪካ ትካላት እውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ጥዕና እናሰርሓ ምዃነን ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያን ኣብዝተረፉ ሃገራት ኣፍሪካን ዕድሚኦም ሓሙሽተ ዓመታት ኣብዘይመልኦም ህፃውንቲ ዝበፅሕ ዘሎ ሞት ንምውጋድ ይስርሑ ዘለው ስራሕቲ’ውን ከምዚ ኢሎም ‘’ሎሚ’ውን ኣብ ኣፍሪካ ልዕሊ 3.5 ሚልዮን ህፃውንቲ ዕድሚኦም ሓሙሽተ ዓመት ከይመልኦም ይሞቱ’ለው።እቶም 50 ሚእታዊ ዝኾኑ ክንከላኸሎም ብእንኽእል ሕማማት ማለት’ውን ብሕማም ሳምቡእ፣ውፅኣትን ዓሶን ብዝኣመሰሉ ዝሞቱ እዮም።ክንከላኽሎም ብእንኽእል ሕማማት ዝኽሰት ሞት ህፃናት ምትራፍ ይክኣል እዩ።ነቲ ሸቶ ንምውቃዕ ግን ፃዕርታትና ክነሐይል ይግባእ።’’

ኣብ ናይ ሎማዕንቲ ኣኼባ ዝተዛረቡ ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሃገራት ብዝበልፀ ንኽሰርሓ ዝኣተውኦ ቃል ንከኽብራ ሃገራዊ ትልሚ ብምሕንፃፅን በጀት ብምምዳብን ቑርፀኛ ምዃነን ከርእያ ፀዊዖም።

ናይ ኢትዮጵያ ምንስቴር ጥዕና ዶ/ር ከሰተብርሃን ኣድማሱ ብወገኖም ሃገሮም ሞት ህፃናት ኣብ ምንካይ ዝተጉዓዘቶ ርሕቐት ኣብሪሆም።ሎማዕንቲ ኣብዝተጀመረ ኣኼባ ዝተፈላለያ ሃገራት ተመኩሩአን ከምዘካፍላ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ንሰለስተ ማዕልታት ዝፀንሕ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ካብ 20 ናይ ኣፍሪካ ሃገራት ዝመፁ ምንስትራት ጥዕና፣ተወከልቲ ዓለምለኸ ትካላትን ካልኦትን ኣጋይሽ ይሳተፉ ኣለው።
XS
SM
MD
LG