ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምንስቴር ዜና ኤርትራ ሶኒ እንታይ’ዩ ተፈፂሙ?


መብዛሕትኡ ብተቃወምቲ ዝተቃለሐ ፀብፃባት ሓሰት‘ዩ ይብል ማዶተዳትካም።እቲ ገምጋም ወሲኹ፣ንፈረንሳዊ ጋዜጠኛ ሌኦናርድ ቪንሰንትን ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማርቲን ፕላትን፣ኣብ ኤርትራ ህውከት ንክፍጠር ዓሊሞም ዘይተረጋገፀ ወረ ዝፍንው ኢሉ ይነቅፍ።

ቪንሰንት ግና ኣነን ማ ማርቲንን ነቲ ኩነታት ዕልዋ ኢልና ኣይገለፅናዮን፣ሓቅነት እቲ ሪፖርትና ግና ኣይንጠራጠረሉን ይብል።

ንሱ ወሲኹ “ንዓና ኣብ ኤርትራ ናዕቢ ክውልዑ ኢሎም ምኽሳሶም ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣነ ኾነ ማርቲን፡ ኩነታት ሰኑይ ዕላዋ`ዩ ኣይበልናን። ዝበልናዮ በንጻሩ`ዩ። ዘይተረጋገጸ ወረ ኸይንዛረብ ጥንቃቐ ከምዘድልየና`ውን ተዛሪብና ኢና። ሕጂ ግን ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ደገፍቲ መንግስቲ፡ በቲ ባዕሉ መንግስቲ “ንእሽቶ ኩንታት” ክብል ዝኣመነሉ ኸይተረፈ ይኸሱና`ለዉ። ስለዚ ንሕና ዝኾነ ተሓተቲ ኣይኮናን፡ ነቲ ክብሃል ዝኽእል ኢና ዝበልና” በለ።

ምስ ኮሎኔል ተስፋሚካኤል እምባዬ (ሕፉን) ዝተካየደ ቃለ-ምልልስ እውን ኣብ‘ዚ መደብ‘ዚ ኣሎ።ብቅደም-ሳዓብ ተኸታተሉ።

ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:42 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG