ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ዓረና ትግራይ ኣብ ከተማ ማይካድራይ ሞይቱ፣ቀተልቱ ኣይተታሓዙን ኣይተፈልጡን


ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ንሉእላዊነትን
ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ንሉእላዊነትን

ኣብ ከተማ ማይካድራይ ሰሜን ምዕራብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ውደባ ዓረና ዝነበረ ኣቶ ታደሰ ኣብራሃ ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ለይቲ ከምዝዓረፈ ተገሊፁ።

እቲ ግዳይ ከባቢ ሰዓት 9፡30 ከምዝዓረፈ ዝገለፀ ኣብ'ታ ከተማ ኣተሓባባሪ ፓርቲ ዓረና ኣቶ መሰለ ገ/ሚካኤል ጠንቂ መቅተልቱ ፖለቲካዊን ካብ ገዛኢ ፓርቲ ካልእ ክኸውን ኣይኽእልን ይብል።

ኣቶ ታደሰ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ናብ ገዝኡ ከምዝበፅሐን ግን ኣዝዩ ተጎዲኡ ትንፋስ ሓፂሩዎን ከምዝነበረ ገዛ ዘካረይዎ መርገታ ዘልዓለም ግርማይ ኣረጋጊፆም ኣለው።

ካብ ዝምልከቶም መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን ብዛዕባ'ቲ ሞት ኣባል ዓረና ትግራይ ሪኢቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነን ፃዕሪን ኣይሰለጠን።ምስ ረኸብና ክነቅርበልኩም ኢና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:16 0:00

XS
SM
MD
LG