ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዴሞክራስን ምርጫን ኣብ ኣፍሪካ


America's top diplomat for Africa, Johnnie Carson, has called for talks between Sudanese President Omar al-Bashir and southern leader Salva Kiir.
America's top diplomat for Africa, Johnnie Carson, has called for talks between Sudanese President Omar al-Bashir and southern leader Salva Kiir.

ካብዚ ዘለናዮ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ 2016 ኣ/ፈ ኣብ 30 ሃገራት ኣፍሪካ ምርጫታት ክካየዱ እዮም።እዞም ምርጫታት እዚኦም ንዴሞክራሲ ዘለዎም ትርጉም ዝምልከት ቅድም ክብል ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሓደ ኣኼባ ተኻየዱ ነይሩ።ፍሉጣት ሰብ ሙያ ጉዳያት ኣፍሪካ ንዝተረኸብሉ መድረኽ ዘዳለውዎ ሃገራዊ ናይ ዴሞክራሲ ትካል /NDI/ን ንናይ ኣፍሪካ መረፅቲ /CFA/ ዝተብሃሉን ትካላት እዮም።

ነቲ ኣኼባ ዝኸፈቱ ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሓጋዚ ምንስቴር ጉዳያት ኣፍሪካ ዝነበሩ ጆኒ ካርሰን እዮም።ካርሰን ኣባል ቦርድ ዳይረክተራት ብሄራዊ ትካል ዴሞክራሲ እውን እዮም።

ጆኒ ካርሰን ድሕሪ ሎሚ ኣብ ኣፍሪካ ዝካየዱ ምርጫታት ንናይታ ኣህጉር ምዕባለ፣ብልፅግናን ምርግጋእን ወሳንነት ክህልዎም እዩ ኢሎም።

‘’ሎሚ ዴሞክራሲ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ይርከብ’’ ምስ በሉ ካርሰን ኣስዒቦም ‘’ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብቶም ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብታ ኣህጉር ዝተመዝገቡ ዓወታት እውን ኣብ ሓደጋ ክወድቑ ይኽእሉ እዮም’’ኢሎም።ናይታ ኣህጉር መፃኢ ኩነታት እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሕብር እተን ሃገራት ቐፃሊ ምርጫታት ዝካይዳሉ ኣገባብ ወሳኒ ከምዝኸውንን ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ 18 ኣዋርሕ 16 ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ፓርላመንታውን ፕሬዝዳንታውን ምርጫታት ከካይዳ እየን።

ካብ መንጉኦም ሽዱሽቲኦም መራሕቲ ካብ ክልተ ናይ ስራሕ ዘመን ንላዕሊ ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ እዮም ኢሎም ጆኒ ካርሰን።ሕገ መንግስታትቶም ንኻሊእ ሓድሽ ተመራፂ ኣረኪቦም ክሰናበቱ ዝሓቱ እዮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:20 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG