ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ዙማ ብዝረኸብዎ ጸቢብ ድምጺ ተኣማንነት ስልጣኖም ዓቂቦም


ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዝዳንት ጃኮብ ዙማ ሎሚ ሶሉስ ብኣባላት ፓርላማ ንሻምናይ ግዜ ካብ ዝቐረቦም ምንፋግ መተኣማመኑ ድምፂ ንስክላ ድሒኖም።

ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ስዓታት ክትዕ ካብ 384 ኣባላት 198 ነቶም ፕረዝዳንት ካብ ስልጣኖም ንምልዓል ዝተቓወምዎ ክኾኑ ከለው 177 ድማ ደጊፎምዎ።ኣብቲ ሚስጥራዊ ምሃብ ድምፂ ትሽዓተ ኣባላት ድምፆም ከምዝዓቀቡ ተፈሊጡ።ፕረዝዳንት ዙማን ካብ ስልጣኖም ክውርዱ ብምሉኡ ድምጺ ካብኒኦምን 201 ድምፂ የድሊ ነይሩ፤ተቓወምቲ 151 ድምፂ ኣለዎም።

ድሕሪ እቲ ምሃብ ድምፂ ኣባላት ገዛኢ ፓርቲ ANC ኣብ ውሽጢ እቲ ፓርላማ ብስዕስዒት ታሕጓሶም ከገልጹ ምርኣዮም ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረ. ዙማ ካብ ስልጣኖም ዘይልዓሉ’ዃ እንተኾኑ ክንድዚ ዝኣክል ተቓዋሚ ሒዞም ግን ኣብ ዝቕፅል ታሕሳስ ኣብዝካየድ ሓድሽ ምርጫ መራሒ ገዛኢ ፓርቲ ንምዃን ኣፀጋሚ ከምዝኸውን ይግመት።

XS
SM
MD
LG