ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ቁጽሪ ሞት ህጻናትን ኣዴታትን ክውስኽ ምክንያት ከምዝኾነ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም፡ ኣብ ዞባ ዋግ ግምራ ብስእነት ሕክምና ኣብ ዝሓለፈ ትሸዓተ ኣዋርሕ፡ 20 ኣዴታትን 74 ህጻናትን ምሟቶም ከምኡ`ውን 134 ናጽላታት ሞይቶም ከም ዝተወለዱ፡ ምምሕዳር `ቲ ዞባ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጥዕና`ቲ ዞባ ዝኾነ ኣቶ ኣሰፋ ነጋሽ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፡ ኣብቲ ክልል ብዝተኻየደ ኵናት ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና ዳግም ስለዘይተሃንጹ፡ ምስዚ ናይዚ እዋን ጸገም ተደሚሩ፡ ቁጽሪ ሞት ክውስኽ ከም ዝገበረ ገሊጹ። 14 ሚእታዊት ህጻናት ዝጀመርዎ ክታበት ከቋርጹ ከምዝተገደዱ `ውን ሓቢሩ።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ`ውን ብስንኪ ሕጽረት ሕክምና ይሳቐዩ ምህላዎም ኣማሪሮም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG