ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣገልግሎት ቪዛ ክጅምር’ዩ


ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ዝመጽእ ሰሙን 14 ግንቦት ጀሚሩ ስሩዕ ኣገልግሎት ቪዛ ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ። መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከም ዝሕብሮ፡ እቲ ዝወሃብ ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ከም እኒ ናይ ተመሃሮ፡ ሓጺር ምብጻሕን ምልውዋጥ ትምህርቲን ኰይኑ፡ ንናይ ነባርነት ቪዛን ካልእ ኣገልግሎትን ግን ኣይክህብን’ዩ።

እንተዀነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዓንቀጽ 243(d) ክልከላ ቪዛ ተገይሩሎም ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ ገና ማዕቀቦም ከም ዘይተላዕለ ሓቢሩ ኣሎ። ንሳቶም ድማ ካብ ዳይረክተር ጀነራል ንላዕሊ ዝርከቡ ሰብ-መዚ መንግስቲ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍ፡ ከምኡ’ውን ትሕቲ 21 ዝዕድመኦም ደቂ ሰበ-ሰልጣን መንግስቲን ኣንስቶምን የጠቓልል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG