ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንምሉእ ኣባልነት ፍልስጤማዊያን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትቃወም


 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘካየዶ ንምሉእ ኣባልነት ፍልስጤማዊያን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ምሃብ ዝብል ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ኣመሪካ ንዘለዋ ድምጺ ብድምጺ(ቪቶ) ስልጣን ተጠቂማ ነቲ ሕቶ ነጺጋቶ'ላ።

ኣመሪካ ሃገረ ፍልስጤም ኣብ መንጎ እስራኤልን ምምሕዳር ፍልስጤምን ብዝካየድ ልዝብን ስምምዕን እምበር ብሕቡራት ሃገራት ክትምስረት ኣይትኽእልን ክትብል ተቓውሞኣ ኣስሚዓ።

ኣብቲ ንምሉእ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ፍልስጤማዊያን ዝቐረበ ንድፊ ድምጸን ካብ ዝሃባ ቐወምቲ አባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብሪጣንያን ስዊዘርላንድን ድምጸን ክዕቕባ ከለዋ ካልኦት 13 ሃገራት ግን ነቲ ሕቶ ድጋፈን ሂበን'የን።

ፍልስጤማዊያን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም አባል ዘይኮኑ ተዓዘብቲ እዮም ዝሳተፉ ዘለው።

ፍልስጤማዊያን ምሉእ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ክኾኑ ድጋፍ ቤት ምኽሪ ፀጥታን እንተወሓደ ክልተ ሲሶ ድምፂ ሓፈሻዊ ጉባኤን ክረክቡ ኣለዎምው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG